Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

jesus and the poor


ሉቃስ 14:13 | 15 Helpful votes

ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ።

Translation | Context
ዘዳግም 15:11 | 12 Helpful votes

ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይስኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ አሎኹ።

Translation | Context
ማርቆስ 10:21 | 8 Helpful votes

የሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፡ ሓንቲ ጐዲላትካ። ኪድ፡ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዓበኒ በሎ።

Translation | Context
ሉቃስ 4:18 | 7 Helpful votes

ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡

Translation | Context
ምሳሌ 19:17 | 6 Helpful votes

እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:20-26 | 6 Helpful votes

ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ በለ፡ ኣቱም ድኻታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እያ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ፡ ክትጸግቡ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኩም፡ ስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጹእልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። እንሆ፡ ኣቦታቶም ድማ ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም ተሐጐሱውን። ኣቱም ሃብታማት ግን፡ ሐጐስኩም ወዲእኩም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም ኣቱም ጽጉባት፡ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ፡ ክትበኽዩ ክትሐዝኑን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኵሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፡ ኣቦታቶም ንነብያት ሓሶት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ወይለኹም።

Translation | Context
ሉቃስ 6:20-21 | 4 Helpful votes

ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ በለ፡ ኣቱም ድኻታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እያ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ፡ ክትጸግቡ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም።

Translation | Context
ማቴዎስ 11:5 | 3 Helpful votes

ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ አሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:40 | 3 Helpful votes

እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:3-4 | 3 Helpful votes

ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ።

Translation | Context
ማርቆስ 10:25 | 3 Helpful votes

ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:3 | 2 Helpful votes

ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 9:36 | 2 Helpful votes

ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየ፡ ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም።

Translation | Context
ሉቃስ 3:11 | 2 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ ክልተ ቐምሽ ዘለዎ ነቲ ዜብሉ ይምቀሎ፡ ቀለብ ዘለዎ ድማ ከምኡ ይግበር፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:24 | 2 Helpful votes

ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 26:11 | 2 Helpful votes

ድካታትሲ ዅሉ ግዜ ምሳኻትኩም እዮም፡ ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣይነብርን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:1-2 | 2 Helpful votes

ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ። ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡

Translation | Context
ሉቃስ 12:15 | 2 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 10:1-2 | 2 Helpful votes

እቶም ንሽጉራትሲ ፍትሒ ኪኸልእዎም፡ ንድኻታት ህዝበይ ከኣ መሰሎም ኬግድፍዎም፡ ንመበለታት ምርኮኦም ኪገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ኪኸትርዎም ኢሎምሲ፡ ሕጋጋት ዓመጻ ዚሕግጉ፡ ሕሰም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ወይለኦም።

Translation | Context