Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

intercession


1ይ ጢሞቴዎስ 2:1 | 8 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:14-20 | 5 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ። እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ። ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ዝናም ከይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመን። ከም ብሓድሽ ድማ ጸሎት ጸለየ፡ ሰማይ ከኣ ዝናም ሀበ፡ ምድሪውን ፍሪኣ ኣብቈለት። ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ዘምበለ፡ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፡ እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶ፡ ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድሕን፡ ብዝሒ ሓጢኣትውን ከም ዚኸድን፡ ይፍለጥ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:18 | 3 Helpful votes

ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 1:2 | 3 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ግብሪ እምነትኩምን ጻዕሪ ፍቕር ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዅሉ ሳዕ እናዘከርናኩም፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና።

Translation | Context
ሮሜ 8:26 | 3 Helpful votes

መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና።

Translation | Context
ህዝቅኤል 22:30 | 2 Helpful votes

ኣነ ኸየጥፍኦስ፣ ነቲ ቐጽሪ ዜጣጥእ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ምንቃዕ ዚቐውም፣ ኣብ ማእከሎም ሓደ ሰባኣይ ደሌኹ፣ ግናኸ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።

Translation | Context
ዘሁልቍ 21:7 | 2 Helpful votes

ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፡ ነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና ንእግዚኣብሄር ለምነልና፡ በሉ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ።

Translation | Context
እብራውያን 7:25 | 2 Helpful votes

ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ።

Translation | Context