Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

integrity


ምሳሌ 10:9 | 12 Helpful votes

ብንጽህና ዚመላለስ ሀዲኡ ይኸይድ፡ ብጥውጥዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ይቕላዕ።

Translation | Context
ምሳሌ 28:6 | 7 Helpful votes

ካብቲ ብጠዋይ መገዲ ዚኸይድ ሃብታምሲ፡ ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሐይሽ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:7-10 | 6 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ።

Translation | Context
ምሳሌ 11:3 | 6 Helpful votes

ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም፡ ነቶም ጠለምቲ ግና ልግሞም የጥፍኦም።

Translation | Context
ምሳሌ 19:1 | 4 Helpful votes

ካብቲ ቔናን ከናፍር ዘለዎ ዓሻስ፡ ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሐይሽ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:16 | 3 Helpful votes

ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም።

Translation | Context
ምሳሌ 20:7 | 3 Helpful votes

ብንጽህናኡ ዚመላለስ ጻድቕሲ፡ ብድሕሪኡ ውሉዱ ብሩኻት እዮም።

Translation | Context
ምሳሌ 12:22 | 3 Helpful votes

ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እየን፡ እቶም ሓቂ ዚገብሩ ግና የሐጕስዎ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:23 | 3 Helpful votes

ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።

Translation | Context
ሉቃስ 16:10 | 3 Helpful votes

ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 21:3 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ ጽድቅን ቅንዕናን ምግባር እዩ ዚፈቱ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 8:21 | 2 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ሰብ ከኣ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሰናይ ዘበለ ኢና እንሐሊ ዘሎና እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ብኣገልግሎትና እተዋጽኤ ብርኩት ገንዘብ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቐሉ አሎና።

Translation | Context
ምሳሌ 4:25-27 | 2 Helpful votes

ኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርኣያ፡ ቈላሕታኻውን ንቕድሚት ይጠምታ። ንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ፡ ኵሉ ጐደናኻ ምዱብ ይኹን። ንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስ፡ ንእግርካ ኻብ እከይ ኣርሕቆ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:8 | 2 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።

Translation | Context