Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

instruction


ምሳሌ 19:20 | 15 Helpful votes

ኣብ መውዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽውን ተቐበል።

Translation | Context
መዝሙር 32:8 | 11 Helpful votes

ኣነ ኽምህረካ፣ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፣ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 4:13 | 8 Helpful votes

ህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሐዛ፡ ኣይትሕደጋ፡ ሐልዋውን፡

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16-17 | 8 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 4:12 | 7 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 5 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።

Translation | Context
እብራውያን 13:17 | 4 Helpful votes

ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:26 | 4 Helpful votes

እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 12:1 | 3 Helpful votes

ተግሳጽ ዚፈቱ ፍልጠት ይፈቱ፡ መቕጻዕቲ ዚጸልእ ግና ዓሻ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 2:1-12 | 3 Helpful votes

ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ የሱስውን ኣብኡ ነበረት። የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዓደመ። ወይኒ ምስ ተወድኤ፡ ኣደ የሱስ፥ ወይኒ እምበር የብሎምን፡ በለቶ። የሱስ ድማ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ በላ። ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፥ ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ፡ በለቶም። ኣብኡ ኸም ስርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሹድሽተ ኣጋንእ እምኒ ተተኺሉ ነበረ፡ እቲ ኣጋንእ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዜግብእ እዩ። የሱስ፥ ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ፡ በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። ሽዑ፥ ሕጂ ቅድሕዎ እሞ ነቦ ዳስ ውሰድሉ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ። እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ንወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ፡ ካበይ ምዃኑ ኣይፈለጠን፦ እቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፦ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፥ ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ፡ በሎ። የሱስ ነዚ መጀመርያ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ አመኑ። ድሕርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ።

Translation | Context
ምሳሌ 10:17 | 3 Helpful votes

ምዕዶ ዚህሉ ኣብ መገዲ ህይወት እዩ፡ ተግሳጽ ዚኣቢ ግና ይስሕት።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 3 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 4:12 | 3 Helpful votes

ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።

Translation | Context