Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

inner healing


ዮሃንስ 8:32 | 13 Helpful votes

ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:1 | 12 Helpful votes

ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ።

Translation | Context
መዝሙር 147:3 | 11 Helpful votes

ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፣ ነቚሳሎም ይዘንን።

Translation | Context
መዝሙር 34:18 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።

Translation | Context
ኤርምያስ 30:17 | 9 Helpful votes

እታ ድርብይቲ ሓደ እኳ ግዳ ዘይገብር ጽዮን፡ ኢሎም ሰምዮምኺ እዮም እሞ፡ ኣነ ኸጥዕየኪ ንቚስልኺውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
መዝሙር 142:7 | 8 Helpful votes

ንስምካ ኸማሱስ፣ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኣያ፣ ሰናይ ክትገብረለይ ኢኻ እሞ፣ ጻድቃን ኪኸቡኒ እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 30:2 | 7 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:38 | 6 Helpful votes

ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 6 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 51:6 | 5 Helpful votes

እንሆ፣ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ፣ ኣብ ሕቡእውን ጥበብ ምሀረኒ።

Translation | Context