Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

inheritance


ምሳሌ 13:22 | 11 Helpful votes

ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።

Translation | Context
ኤፌሶን 1:11-14 | 9 Helpful votes

ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ። ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሐተምኩም። ንሱ ንምድሓን ጥሪቱ፡ ንውዳሴ ኽብሩ፡ ዕርቡን ርስትና እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:23-24 | 5 Helpful votes

ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።

Translation | Context
ምሳሌ 20:21 | 5 Helpful votes

እቲ ብመጀመርታ ቐልጢፉ እተአከበ ርስቲ መወዳእታኡ ኣይኪባረኽን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 37:29 | 3 Helpful votes

ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፣ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።

Translation | Context
ቲቶስ 3:7 | 3 Helpful votes

ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:32 | 3 Helpful votes

ሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኺሀንጸኩምን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸጋኡን ኤማሕጽነኩም አሎኹ።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 3 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኤፌሶን 1:18 | 3 Helpful votes

እሞ ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፡ ተስፋ ጽውዓኡ እንታይ ምዃኑ፡ ሃብቲ ርስቲ ኽብሩ ኣብ ቅዱሳንውን እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጡ፡ እጽሊ አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 8:17 | 3 Helpful votes

ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና።

Translation | Context
ዘዳግም 21:15-17 | 3 Helpful votes

ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ እንተ ኣለዋኦ፡ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ኸኣ ጽልእቲ፡ እታ ፍትውትን እታ ጽልእትን ደቂ እንተ ወለዳሉ፡ እቲ በዅሪ ኸኣ ወዲ እታ ጽልእቲ እንተ ዀነ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ገንዘቡ ንደቁ ዜውርሰላ መዓልቲ፡ ወዲ እታ ጽልእቲ፡ ንሱ በዅሪ ኸሎ፡ ካብኡ ኣምሪሑ ንወዲ እታ ፍትውቲ በዅሪ ኺገብር ኣይኽእልን። ንወዲ እታ ጽልእቲ ካብ ዂሉ ዘለዎ ዕጽፊ ብምሃቡ በዅሪ ምዃኑ የፍልጦ፡ ንሱ መጀመርታ ሓይሉ እዩ እሞ፡ ብዅርነት ንእኡ ይግብኦ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:13-21 | 2 Helpful votes

ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፥ መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይመኒ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ምስላ ነገሮም፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። ብልቡ ኸኣ፥ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ እገብር እየ ኢሉ ሐሰበ። ንሱ ድማ፥ ከምዚ እገብር፥ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ፡ ኣግፊሔ እሰርሖ፡ ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። ንነፍሰይውን፥ ኣቲ ነፍሰይ፡ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ አሎኪ እሞ ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሐጐሲ፡ እብላ፡ በለ። ኣምላኽ ግና፥ ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ካባኻ ኺወስድዋ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ አለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ። እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ከምኡ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 15:25-31 | 2 Helpful votes

እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ፡ ኰበሮን ጓይላን ሰምዔ። ካብቶም ግዙኣት ንሓደ ጸዊዑ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፥ እቲ ሓውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻ፡ ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ስብሕቲ ላም ሐሪድሉ፡ በሎ። ንሱ ግና ኰረየ ምእታውውን ኣበየ። ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ። ንሱ ግና ነቦኡ፡ እንሆ፡ ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፡ ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይሐለፍኩን። ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሃብካንን። እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኰይኑ በሊዑ ዝወድኤ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሐረድካሉ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፥ ወደይ፡ ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ አሎኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 36:6-9 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ብናይ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከምዚ ኢሉ ዝአዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ ናብ ዝፈተዋኦ ይተአተዋ። ካብ ዓሌት ነገድ ኣቦታተን ጥራይ ግዳ ይተአተዋ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደቂ እስራኤል ኣብ ርስቲ ነገድ ኣቦታቱ ደኣ ይጽናዕ እምበር፡ ርስቲ ደቂ እስራኤል ካብ ነገድ ናብ ነገድ ኣይሕለፍ። ካብ ነገዳት ደቂ እስራኤል ርስቲ ዝወረሰት ዘበለት ጓል ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣቦታቱ ምእንቲ ኺወርስ፡ ናብ ሓደ ኻብ ዓሌት ነገድ ኣቦኣ ትተአቶ። ነፍሲ ወከፍ ነገድ ደቂ እስራኤል ኣብ ረርስቱ ይጽናዕ እምበር፡ እቲ ርስቲ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ።

Translation | Context
መዝሙር 16:6 | 2 Helpful votes

ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ፣ ኤረ ጽቡቕ ርስቲ መጺኡኒ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 27:6-11 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሀበን፡ እቲ ርስቲ ኣቦኤን ናባታተን ኣሕልፎ። ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰብ፡ ወዲ ኸይሐደገ እንተ ሞተ፡ እቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ። ጓል እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሀብዎም። ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሀብዎም። ኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ድማ፡ እቲ ርስቱ ኻብ ዓሌቱ ንዚቐርቦ ዘመዱ ሀብዎ፡ ንሱ ይውረሶ። እዚ ኸኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ንደቂ እስራኤል ሕጊ ፍርዲ ይኹን።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:12 | 2 Helpful votes

ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ እናኣመስገንኩም፡

Translation | Context