Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

infanticide


መዝሙር 137:9 | 12 Helpful votes

ንሕጻናትኪ ሒዙ ኣብ ከውሒ ዚጭፍልቖም ምስጉን እዩ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 15:3 | 10 Helpful votes

ሕጂ ኺድ እሞ ንኣማሌቅ ተዋግኣዮ፡ ዘለዎ ዘበለ ዅሉ ድማ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮ፡ ኣይትንሓፎ፡ ግናኸ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ሕጻን፡ ካብ ብዕራይ ክሳዕ በጊዕ፡ ካብ ገመል ክሳዕ ኣድጊ ቕተል።

Translation | Context
ሆሴዕ 13:16 | 8 Helpful votes

ሰማርያ ኻብ ኣምላኽ ኽዲዓ እያ እሞ፣ ብበደላ ትቕጻዕ፣ ብሰይፊ ይወድቁ፣ ሕጻናቶም ይጭፍለቑ፣ ጥኑሳት ኣንስቶም ከኣ ይቕደዳ።

Translation | Context
ዘጸአት 12:29 | 8 Helpful votes

ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ እግዚኣብሄር ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ፡ ካብቲ ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ በዅሪ ፈርኦን ክሳዕ በዅሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እሱር፡ ንዅሉ በዅሪ እንስሳ ድማ ቐተለ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 13:16 | 8 Helpful votes

ሕጻውንቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪጭፍለቑ እዮም፡ ኣባይቶም ኪብዝበዝ እዩ፡ ኣንስቶም ድማ ኪንውራ እየን።

Translation | Context
2ይ ነገስት 15:16 | 8 Helpful votes

ሽዑ ምናሔም ንቲፍሳሕን ኣብአ ንዝነበረ ዂሉን፡ ንዶባታ ድማ ካብ ቲርጻ ጀሚሩ ተዋግኣ፡ እታ ኸተማ ኣይከፈቱሉን፡ ስለዚ ኸኣ ሰዐራ፡ ኣብአ ንዝጸንሓ ዂለን ጥኑሳትውን ቀደደን።

Translation | Context
ዘሁልቍ 31:17 | 8 Helpful votes

ሕጂ ድማ ካብ ቈልዑ ተባዕታይ ዘበለ ቕተሉ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃስ ሰብኣይ ዝፈለጣ ዅለን ኣንስቲ ኸኣ ቅተልወን።

Translation | Context
መዝሙር 135:8 | 7 Helpful votes

ንበዅሪ ግብጺ፣ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፣ ወቕዔ።

Translation | Context
መዝሙር 136:10 | 7 Helpful votes

ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንግብጺ ብበዅሮም ዝወቕዔ፣

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 7:19 | 6 Helpful votes

እዚ ንጉስ እዚ ንዓሌትና ተተናዀሎም፡ ነቦታትና ኸኣ፡ ሕጻናቶም ምእንቲ ኸይዐብዩ፡ ክሳዕ ዚድርብዩ ጨቈኖም።

Translation | Context
ዘጸአት 1:16 | 6 Helpful votes

ነተን ኣንስቲ እብራውያን ከተሕርሳኤን ከሎኽን፡ ኣብቲ ዚሐርሳሉ ርኣያ፡ ወዲ እንተ ዀነ ቅተላኦ፡ ጓል እንተ ዀነት ግና ብህይወታ ትንበር።

Translation | Context
ማቴዎስ 2:16-18 | 6 Helpful votes

ሽዑ ሄሮዶስ ሰብ ጥበብ ከም ዘላገጹሉ ምስ ረአየ፡ ብዙሕ ኰረየ እሞ፡ ንዅሎም ሕጻናት ቤት ልሄምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታት ንዝጸንሑን፡ ካብ ሰብ ጥበብ ኣርጊጹ ብዝሐተቶ ዘመን ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዘለዉ ልኢኹ ኣቕተለ። ሽዑ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን። ራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየት፡ እተበሀለ ተፈጸመ።

Translation | Context
ኣሞጽ 1:13 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ዶቦም ምእንቲ ኺግፍሑስ፣ ነተን ጥኑሳት ጊልዓድ ከብደን ቀዲዶምወን እዮም እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ደቂ ዓሞን፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣትክመልስን እየ።

Translation | Context
ሆሴዕ 9:11-16 | 3 Helpful votes

ክብረት ኤፍሬም ከም ዑፍ ኪነፍር እዩ፣ ድሕርዚ ሕርስን ድቅን ጥንስን የብሎምን። ደቆም እንተ ኣዕበዩ ድማ፣ ሓደ ሰብ እኳ ኸይተርፎም ውሉድ ዜብሎም ክገብሮም እየ፣ እወ፣ ኣነ ካባታቶም ምስ ዝርሕቕ ወይለኦም። ኤፍሬም ከምታ ኣብ ጽቡቕ ቦታ እተተኽለት ጢሮስ ኰይኑ ርኤኽዎ፣ ግናኸ ኤፍሬምሲ ንደቁ ናብ ቀታሊ የውጽኦም። ዎ እግዚኣብሄር፣ ሀቦም። እንታይ ክትህቦም፡ ውሉድ ዘይወልድ ማሕጸን ንጹፍ ጢብን ሀቦም። ኵሉ ኽፍኣቶም ኣብ ጊልጋል እዩ፡ ኣነ ኣብኡ ጸላእክዎም፡ ብሰሪ ኽፍኣት ግብሮም ከኣ ካብ ቤተይ እሰጎም፡ ድሕርዚ ኣየፍቅሮምን እየ፡ ኵሎም መሳፍንቶም ዓለወኛታት እዮም። ኤፍሬም ተወቕዔ፣ ሲሮም ነቐጸት፣ ፍረ ኣይፈርዩን፣ እንተ ወለዱ እኳ፣ ነቲ ፍቁር ፍረ ኸርሶም ክቐትሎ እየ።

Translation | Context