Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

illuminati


ማርቆስ 13:22 | 8 Helpful votes

ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።

Translation | Context
ራእይ 16:14 | 7 Helpful votes

እዚኣቶም ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ ኪእክብዎም ዚወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም።

Translation | Context
ይሁዳ 1:4 | 5 Helpful votes

ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፡ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም አለዉ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:12 | 4 Helpful votes

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:19 | 4 Helpful votes

ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:11 | 3 Helpful votes

ግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 3 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ራእይ 3:9 | 3 Helpful votes

እንሆ፡ ካብቶም፡ ኣይሁድ ኢና፡ ዚብሉ ማሕበር ስይጣን፡ ግናኸ ይሕስዉ አለዉ እምበር፡ ኣይሁድሲ ዘይኰኑ፡ እህበካ አሎኹ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ዚመጹን፡ ኣብ ቅድሚ እግርኻ ኸም ዚሰግዱን ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻውን ከም ዚፈልጡን፡ ክገብሮም እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 4:8-9 | 3 Helpful votes

ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዪ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዩ እሞ፡ ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:3-5 | 3 Helpful votes

ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና። ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 2 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 7:7 | 2 Helpful votes

ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፡ ብከንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:31-32 | 2 Helpful votes

ስለዚ የሱስ ነቶም ብእኡ ዝአመኑ ኣይሁድ፡ ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:4 | 2 Helpful votes

ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:7-8 | 2 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ። ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።

Translation | Context
ራእይ 11:6-7 | 2 Helpful votes

እዚኣቶም በተን መዓልትታት ትንቢቶም ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም ንሰማይ ኪዐጽውዎ ስልጣን አለዎም። ናብ ደም ክልውጥዎ ኣብ ልዕሊ ማያትን ንምድሪ ብዝደለይዎ መጠን ብመዓት ዘበለ ኪቐዝፍዋን ስልጣን አለዎም። ምስክሮም ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ እቲ ኻብ መዓሙቝ ዚወጽእ ኣራዊት ምሳታቶም ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ኪቐትሎምን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 97:10 | 2 Helpful votes

ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ፣ እከይ ጽልኡ፣ ነፍሲ ቕዱሳኑ ይሕሉ፣ ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም።

Translation | Context
ሉቃስ 6:46 | 2 Helpful votes

ስለምንታይ ደኣ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧

Translation | Context
ዮሃንስ 12:48 | 2 Helpful votes

ኣነስ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ አሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀፍን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ አሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።

Translation | Context