Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

idols


ዘጸአት 20:3 | 9 Helpful votes

ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:4 | 7 Helpful votes

ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር።

Translation | Context
እብራውያን 13:5 | 6 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ።

Translation | Context
መዝሙር 135:15-17 | 6 Helpful votes

ጣኦታት ኣህዛብሲ ብኢድ ሰብ እተገብሩ ብሩርን ወርቅን እዮም። ኣፍ አለዎም፣ ኣይዛረቡን፣ ኣዒንቲ አለዎም፣ ኣይርእዩን፣ ኣእዛን አለዎም፣ ኣይሰምዑን እዮም። ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 44:9-12 | 6 Helpful votes

እቶም ጣኦታት ዚሰርሑ ዂሎም ከንቱ እዮም፡ እቶም ፍትዋቶም ከኣ ገለ እኳ ኣይጠቕሙን። እቶም ምስክሮም ድማ ኣይርእዩን ኣየስተውዕሉን፡ ስለዚ ኺንውሩ እዮም። ገለ እኳ ዘይጠቕሞስ ኣምላኽ ዝሰርሔ፡ ምስሊውን ብፍሲ ዝገበረ መን እዩ፧ እንሆ፡ ኲሎም መተዓይይቱ ኺንውሩ እዮም፡ እቶም ሰራሕቲ ኸኣ ሰብ እዮም። ኲሎም ይተኣከቡን ይቕረቡን፡ ኪስምብዱን ሐቢሮም ከኣ ኪንውሩን እዮም። ስራሕ ሓጺን ምሳር ይስርሕ፡ ኣብ ጓህሪ ይገብሮ፡ ብሞደሻ ይቕጥቕጦ፡ ብሓይሊ ቕልጽሙ ይዐዮ፡ ይጠሚ እሞ ይደክም፡ ማይ ኣይሰትን እሞ ይሕለል።

Translation | Context
ኢሳይያስ 37:19 | 4 Helpful votes

ንኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርብይዎም፡ ስራሕ ኢድ ሰብ፡ ዕጭን እምንን እዮም እምበር፡ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን፡ ስለዚ ኣጥፍእዎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 30:22 | 4 Helpful votes

ነቲ ናይ ቅርጺ ምስልታትካ ተለቢጥዎ ዘሎ ብሩርን፡ ነቲ ናይ ፍሲ ምስልታትካ ተጠሊቕዎ ዘሎ ወርቅን ከተርክሶን ከም ርኹስ ነገር ክትጒሕፎን፡ ወጊድ ካብዚ ውጻእ፡ ክትብሎን ኢኻ።

Translation | Context
ኣንባቆም 2:18 | 4 Helpful votes

እቲ ቐራጺኡ ዚቐርጾ ቕሩጽ ምስልስ እንታይ ይጠቅም፧ እቲ ዓያዪ ዓባስ ጣኦታት ገይሩ ብዕዮኡ ዚእመንከ እቲ ፍሱስ ምስልን መምህር ሓሶትን እንታይ ይጠቅም፧

Translation | Context
ዮናስ 2:8 | 3 Helpful votes

ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ኣሕለለወት፡ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፡ ጸሎተይ ናባኻ፡ ናብቲ ቅዱስ መቕደስካ ኣተወ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 26:1 | 3 Helpful votes

ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንኣኻትኩም ጣኦታት ኣይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ፡ ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግዱሉ ኢልኩም ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ።

Translation | Context
ሮሜ 1:21-23 | 2 Helpful votes

ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ። ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ።

Translation | Context
መዝሙር 115:4-8 | 2 Helpful votes

ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ብሩርን ወርቅን እዩ። ኣፍ አለዎም፣ ኣይዛረቡን፣ ኣዒንቲ አለዎም፣ ኣይርእዩን፣ እዝኒ አለዎም፣ ኣይሰምዑን፣ ኣፍንጫ አለዎም፣ ኣየጨንዉን፣ ኢድ አለዎም፣ ኣይድህስሱን፣ እግሪ አለዎም፣ ኣይከዱን፣ ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን። እቶም ዚገብርዎምን ኣብኦም ዚውከሉን፣ ኵሎም ከምኣቶም ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:8 | 2 Helpful votes

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:25 | 2 Helpful votes

ነዚኣቶምን ነቶም ብዕዮኦም ዚሐብርዎምን ኣኪቡ ኸኣ፡ ከምዚ በሎም፡ ኣቱም ሰባት፡ ጥቕምና ኻብዚ ስራሕዚ ምዃኑ ትፈልጡ አሎኹም።

Translation | Context
1ይ ነገስት 18:25-29 | 2 Helpful votes

ኤልያስ ድማ ነቶም ነብያት በዓል፡ ንስኻትኩም ትበዝሑ እሞ፡ ቅድም ሓደ ዝራብዕ ሐሪኹም ኣሰናድዉ፡ ብስም ኣምላኽኩም ከኣ ተማህለሉ፡ ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሀብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፡ ኣሰናድዮም ከኣ፡ ዎ በዓል፡ ምላሽ ሀበና፡ እናበሉ ኻብ ብጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ብስም በዓል ተማህለሉ። ግናኸ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚመልስውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናሰረሩ ይዞርዎ ነበሩ። ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ኤልያስ፡ ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ይሐስብ ከይህሉ፡ ወይስ ኣግሊሱ ወይ ገሹ ኸይከውን፡ ምናልባሽ ከኣ ደቂሱ ኸይህሉ፡ ምእንቲ ኺበራበርሲ፡ ዓው ኢልኩም ደኣ ጨድሩ፡ ኢሉ ኣላገጸሎም። ዓው ኢሎም ድማ ጨደሩ፡ ከምቲ ስርዓቶም ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ደም ክሳዕ ዚፈስስ፡ ንኣካላቶም በስፍያፍን ብዂናውትን ተፍተፍዎ። ኰነ ድማ፡ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሐለፈ፡ ክሳዕ እታ መስዋእቲ ብልዒ ዚስውኣላ ጊዜ ይንበዩ ነበሩ፡ ግናኸ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚመልስውን ኣይነበረን፡ ዜቕልብ ድማ ኣይነበረን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:21 | 2 Helpful votes

ኣቱም ደቀየ፡ ካብ ጣኦታት ተሐለዉ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 20:32 | 2 Helpful votes

ንሕና፣ ከምቶም ህዝብታትን ዓሌታት ሃገራትን፣ ንዕጭን እምንን ከነምልኽ፣ ኢልኩም ኣብ ሓሳብኩም ጠብላሕ ዚብለኩም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ።

Translation | Context