Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

i am only joking


ምሳሌ 26:18-19 | 30 Helpful votes

እቲ ንብጻዩ ጠቢርዎስ፡ ኪጻወተካ እየ ዝገበርክዎ፡ ዚብል እያድን ፍላጻን ሞትን ከም ዚውርውር ዕቡድ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:29 | 9 Helpful votes

እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:25 | 7 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ንሓሶት ንየው በልዎ፡ ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:28 | 4 Helpful votes

ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕ፡ ሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።

Translation | Context
ዘካርያስ 8:16 | 3 Helpful votes

እቲ ኽትገብርዎ ዝግብኣኩም ነገርሲ እዚ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍኩም ነንብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ፣ ኣብ ደጌታትኩም ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ።

Translation | Context
ምሳሌ 18:8 | 3 Helpful votes

ቃላት ጠባው እዝኒ ኸም ጥዑም ኵላሶ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ።

Translation | Context
ምሳሌ 15:1-33 | 3 Helpful votes

ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል። ልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍል። ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን፡ ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም። ልዝቢ ልሳን ከም ኦም ህይወት እያ፡ ቄናን መንፈስ ግና ንመንፈስ ትሰብሮ። ዓሻ ንተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቆ፡ ዘለፋ ዚቕበል ግና ኣእምሮኛ ይኸውን። ኣብ ቤት ጻድቕ ብዙሕ መዝገብ አሎ፡ ኣብ እቶት ረሲኣን ግና ህውከት አሎ። ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዝርግሓ፡ ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ኣይከምኡን እዩ። መስዋእቲ ረሲኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ። እግዚኣብሄር ንመገዲ ረሲኣን ይፍንፍኖ፡ ጽድቂ ንዚስዕብ ግና የፍቅሮ። መገዲ ንዚሐድግ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶ፡ ተግሳጽ ዚጸልእ ከኣ ይመውት። ሲኦልን መዓሙቕን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እዩ፡ ልቢ ደቂ ሰብ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ። መላገጺ ተግሳጽ ኣይፈቱን፡ ናብ ጠቢባን ኣይከይድን። ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር። ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ። ኵለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፉኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ። ካብ ዓብዪ መዝገብ ምስ ህውከትሲ፡ ሒደት ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሐይሽ። ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ። ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕል፡ ዓቃል ግና ባእሲ የህድእ። ጐደና ሃካይ ከም ሓጹር እሽዅ እዩ፡ መገዲ ቕኑዓት ግና እተደላደለት እያ። ጥበበኛ ውሉድ ነቦኡ የሐጕሶ፡ ዓሻ ሰብ ግና ንወላዲቱ ይንዕቃ። ዕሽነት ነቲ ልቢ ዜብሉ ሰብ ደስታ እዩ፡ ለባም ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ። ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ፡ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን፡ ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ። ሰብ ብምላሽ ኣፉ ይሕጐስ፡ እወ፡ ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ። ለባም ሰብ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ኪርሕቕሲ፡ መገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ። እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት ይምሕዎ፡ ንዶብ መበለት ግና የቝሞ። እኩይ ሓሳባት ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ልኡም ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ። እቲ ረብሓ ዚሀርፍ ንቤቱ ይህውኻ፡ መማለጃ ዚጸልእ ግና ብህይወት ይነብር። ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ሕሰም ይፍልፍል። እግዚኣብሄር ነቶም ረሲኣን ርሑቖም እዩ፡ ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ። ብሩህ ቈላሕታ ንልቢ የሐጕሶ፡ ብስራት ነዕጽምቲ የስብሖ። እታ ናብ ህይወት ዚመርሕ ተግሳጽ እትሰምዕ እዝኒ ኣብ ማእከል ጠቢባን ትነብር። እቲ ተግሳጽ ዚኣቢ ንነፍሱ ይንዕቃ፡ ዘለፋ ዚሰምዕ ግና ይልብም። ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፡ ንኽብረት ከኣ ትሕትና ትቕድማ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 4:8 | 2 Helpful votes

ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀልኹም።

Translation | Context
ምሳሌ 26:20 | 2 Helpful votes

ዕጨይቲ እንተ ተወድኤ፡ ሓዊ ይጠፍእ፡ ሓማዪ እንተ ዘየሎ ኸኣ ባእሲ ይውዳእ።

Translation | Context
ምሳሌ 26:22 | 2 Helpful votes

ዘረባ ሓማዪ ኸኣ ጥዑም ኵላሶ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 2 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
መዝሙር 15:3 | 2 Helpful votes

ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣

Translation | Context
ምሳሌ 26:21 | 2 Helpful votes

ከሰል ንጓህሪ ዕጨይቲ ንሓዊ ኸም ዚኸውን፡ ናግራም ሰብኣይ ከኣ ከምኡ ባእሲ የሳውር።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:24-35 | 2 Helpful votes

ሽዑ እቶም ህዝቢ፡ የሱስ ኰነ ወይስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ዘይምህላዎም ርእዮም፡ ንሳቶም ድማ ናብተን ጃለቡ አትዮም ንየሱስ እናደለይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ። ኣብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣ፥ ረቢ፡ መኣዝ ናብዚ መጻእካ፡ በልዎ። የሱስ ድማ፥ እትደልዩኒ ዘሎኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ተኣምራት ስለ ዝርኤኹም ከም ዘይኰንኩም፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሐቲምዎ እዩ እሞ፡ ነቲ ንሱ ዚህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኣይትግበሩ፡ ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ ንሳቶም፥ ግብሪ ኣምላኽ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፡ በልዎ። የሱስ ከኣ። ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ፡ በሎም። ስለዚ፥ ርኢና ክንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ እሞ ትገብር፧ እንታይከ ትገብር አሎኻ፧ ኣቦታትና፡ ከምቲ ኺበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሃቦም፡ ዚብል እተጻሕፈ፡ ኣብ በረኻ ማና በልዑ፡ በልዎ። ሽዑ የሱስ፥ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ፡ ነቲ እንጌራ ሓቂ ኻብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሃበኩምሲ ሙሴ ኸም ዘይኰነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ እቲ እንጌራ እቲኸ ኵሉ ሳዕ ሃበና፡ በልዎ። የሱስ በሎም፥ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከቶ ኣይጸምእን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:21-24 | 2 Helpful votes

ነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ። እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።

Translation | Context