Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

humility


ፊልጲ 2:3-11 | 9 Helpful votes

ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:6 | 8 Helpful votes

ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል።

Translation | Context
ሉቃስ 14:11 | 6 Helpful votes

ርእሱ ዜዕቢ ዅሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ እሞ እንተ ተዓደምካ፡ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ፡ ዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኺብለካስ፡ ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዅሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:4 | 5 Helpful votes

ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:6 | 4 Helpful votes

ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ።

Translation | Context
ማቴዎስ 23:12 | 3 Helpful votes

ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር፡ ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 12:3 | 3 Helpful votes

ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:12 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:30 | 2 Helpful votes

ንሱ ኺዓቢ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ።

Translation | Context
ምሳሌ 11:2 | 2 Helpful votes

ትዕቢት እንተ መጸ፡ ውርደት ከኣ ይመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:5 | 2 Helpful votes

ኣቱም መንእሰይ፡ ከምኡ ነቶም ዚዐብዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ፡ ትሕትና ተዐጠቑ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:10 | 2 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:2 | 2 Helpful votes

ብትሕና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡

Translation | Context
ኤርምያስ 9:23 | 2 Helpful votes

ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይተሐበን፡ ሓያል ከኣ ብሓይሉ ኣይተሐበን፡ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይተሐበን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ሮሜ 11:18 | 2 Helpful votes

ኣብቶም ጨነፍር ኣይትከበር። እንተተኸበርካ ግና፡ እቲ ሱር እዩ ንዓኻ ጾይሩካ ዘሎ እምበር፡ ነቲ ሱር ንስኻ ኣይኮንካን ጾይርካዮ ዘሎኻ።

Translation | Context