Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

22 bible verses about

humbleness


ያእቆብ 1:19-20 | 7 Helpful votes

ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።

Translation | Context
ማቴዎስ 23:12 | 6 Helpful votes

ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር፡ ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:2 | 5 Helpful votes

ብትሕና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡

Translation | Context
ቈሎሴ 3:8 | 5 Helpful votes

ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።

Translation | Context
ቲቶስ 3:2 | 5 Helpful votes

ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8 | 4 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 4 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:21 | 3 Helpful votes

ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 11:29 | 3 Helpful votes

ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

Translation | Context
ምሳሌ 29:11 | 3 Helpful votes

ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:6 | 3 Helpful votes

ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ።

Translation | Context
መዝሙር 119:105 | 2 Helpful votes

ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፣ ንመገደይ ብርሃን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:4 | 2 Helpful votes

እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ።

Translation | Context
ፊልጲ 3:10 | 2 Helpful votes

ብዝዀነ ዀይኑ ናብ ትንሳኤ ምዉታት እንተ ኣርከብኩ ኢለ፡ ብሞቱ እናመሰልክዎ፡ ንእኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ አሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 14:7-14 | 2 Helpful votes

ነቶም ናብ ምሳሕ እተጸውዑ ድማ ኣውራ መቐመጢ ኸም ዚሐርዩ ምስ ረአየ፡ ምስላ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፥ ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፡ ኣብቲ ኣውራ መቐመጢ ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዚኸብር ካልእ ጸዊዑ እንተ ዀነ፡ እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዔ መጺኡ፥ እዛ ስፍራ እዚእ ነዚ ሕደገሉ፡ ኪብለካ እዩ እሞ፡ ሽዑ እናሐፈርካ ናብ ታሕታይ መቐመጢ ኽትወርድ ትጅምር። ርእሱ ዜዕቢ ዅሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ እሞ እንተ ተዓደምካ፡ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ፡ ዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኺብለካስ፡ ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዅሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ። ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:2 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:22 | 2 Helpful votes

ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ።

Translation | Context
እብራውያን 13:17 | 2 Helpful votes

ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:9 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
ሮሜ 3:23 | 2 Helpful votes

ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም።

Translation | Context
ሮሜ 14:10-12 | 2 Helpful votes

ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:15 | 2 Helpful votes

ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።

Translation | Context