Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

human sacrifice


ዘዳግም 18:10 | 28 Helpful votes

ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡

Translation | Context
2ይ ነገስት 21:6 | 8 Helpful votes

ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፡ ብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 3:27 | 8 Helpful votes

ሽዑ ነቲ ኣብ ክንዳኡ ዚነግስ በዂሪ ወዱ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጎ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ብርቱዕ ኲራ ዀነ እሞ፡ ካብኡ ረሐቑ፡ ናብ ሃገሮም ድማ ተመልሱ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 18:21 | 7 Helpful votes

ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 22:1-24 | 7 Helpful votes

ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ዀነ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም መከሮ በሎውን፡ ኣብርሃም። ንሱ ኸኣ፥ እኔኹ፡ በለ። እምበኣር ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ፡ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሓርር መስዋእቲ ሰውኣዮ፡ በለ። ንጽብሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ኣድጉ ጽዒኑ፡ ክልተ ግዙኣቱን ወዱ ይስሃቅን ምስኡ ወሰደ፡ ንዝሐርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይቲውን ፈለጸ፡ ተንሲኡ ድማ ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ ኸደ። ኣብርሃም ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣዒንቱ ኣንቃዕሪሩ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረአያ። ኣብርሃም ድማ ንግዙኣቱ፡ ምስ እዛ ኣድጊ ኣብዚ ጽንሑ፡ ኣነን እዚ ወድን ከኣ ናብቲ ኼድና ኽንሰግድ ኢና፡ ናባኻትኩም ድማ ንምለስ፡ በሎም። ኣብርሃም ድማ እቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይቲ ወሲዱ፡ ንወዱ ይስሃቅ ኣሰከሞ፡ ሓውን ካራን ከኣ ብኢዱ ወሰደ፡ ክልትኦም ድማ ብሓደ ኸዱ። ይስሃቅ ነቦኡ ኣብርሃም፡ ኣቦየ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ፡ እነኹ ወደይ፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ሓውን ዕጨይትንሲ እንሆ፡ እቲ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ አሎ፧ በለ። ኣብርሃም ከኣ፡ ወደየ፡ እቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ዚኸውን በጊዕሲ ኣምላኽ ንርእሱ ይሓልዮ እዩ፡ በለ። ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ። ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ መጹ፡ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሔ፡ ዕጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፈሉ። ንወዱ ይስሃቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይቲ በጥ ኣበሎ። ኣብርሃም ድማ ንወዱ ኺሓርድ፡ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ካራ ወሰደ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣብርሃም፡ ኣብርሃም በሎ። ንሱውን፡ እኔኹ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ አሎኹ እሞ፡ ኢድካ ኣብዚ ወዲ ኣይትዘርግሕ፡ ገለን ኣይትግበሮ፡ በለ፡ ኣብርሃም ድማ ዓይኑ ቛሕ ኣበለ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሓረግ እተታሕዘ ድዑል ረአየ። ኣብርሃም ድማ ከይዱ፡ ነቲ ድዑል ወሲዱ፡ ኣብ ክንዲ ወዱ ንዚሓርር መስዋእቲ ሰውኦ። ኣብርሃም ከኣ ስም እታ ቦታ እቲኣ፡ እግዚኣብሄር ይርኢ፡ ኢሉ ኣውጽኣላ። ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ከረን እግዚኣብሄር ይሕለ፡ ዚብሀል ዘሎ እዩ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካልኣይ ሳዕ ካብ ሰማይ ንኣብርሃም ጸውዖ፡ ብርእሰይ መሐልኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እዚ ነገርዚ ኻብ እትገብር፡ ነቲ ሓደ ውሉድካን ካብ ዘይትኸልእ፡ ስለዚ ኣዝየ ኽባርኸካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኺወርስ እዩ። ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም፡ በሎ። ኣብርሃም ከኣ ናብ ግዙኣቱ ተመልሰ። ተላዒሎም ከኣ ብሓንሳእ ናብ ብኤር-ሸባዕ ከዱ። ኣብርሃም ድማ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ተቐመጠ። ኰነ ኸኣ፡ ድሕርዚ ነገርዚ ንኣብርሃም፥ እንሆ፡ ሚልካ ድማ ንናሆር ሓውካ ደቂ ወሊዳትሉ፡ ኢሎም ነገርዎ። ዑጽ እቲ በዅሩ፡ ሓዉ ድማ ቡዝ፡ ቄሙኤል ከኣ ኣቦ ኣራም፡ ኬሴድን ሓዞን ጲልደሽን ይድላፍን ቤቱኤልን። ቤቱኤል ድማ ንርብቃ ወለደ። እዚኣቶም ሾሞንቲኦም ሚልካ ንናሆር፡ ሓዉ ኣብርሃም፡ ወለደትሉ። ሬኡማ ዝስማ ሰበይቲ ወሰኑ፡ ንሳ ድማ ጤባሕን ጋሓሞን ታሓሽን መዓካን ወለደት።

Translation | Context
መሳፍንቲ 11:31 | 4 Helpful votes

ይፍታሕ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንደቂ ዓሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ፡ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ካብ ደቂ ዓሞን ብድሓን ምስ ተመለስኩ፡ እቲ ኪቕበለኒ ኢሉ ኻብ ደጌታት ቤተይ ዚወጽእ፡ ንእግዚኣብሄር ይኹን፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ከቕርቦ እየ፡ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዔ።

Translation | Context
ኤርምያስ 7:31 | 4 Helpful votes

ኣነ ከቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሐሰብክዎንሲ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኼንድዱ፡ በረኽቲ ቶፌት ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ሰርሑ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 31:40-41 | 3 Helpful votes

ነፍሲ ሰብ ድማ ዓሰርተው ሹድሽተ ሽሕ፡ ካብኡ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሰላሳን ክልተን ነፍሲ። ሙሴ ድማ እቲ ግብሪ፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዓል መስዋእቲ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሀቦ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 20:25-26 | 3 Helpful votes

ምስናይ እዚ ኣነውን ጽቡቕ ዘይኰነ ትእዛዛት፣ ብህይወት ኪነብሩሉ ዘይከኣሎም ፍርድታት ሀብክዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጡስ፣ ከባድሞም ኢለ፣ በቲ ማሕጸን ኣዲኡ ዝኸፈተ ዅሉ ብሓዊ ዘሕለፍዎ መባኦም ገይረ ኣርከስክዎም።

Translation | Context
ዘዳግም 12:31 | 2 Helpful votes

ንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ።

Translation | Context
ዘጸአት 13:11-16 | 2 Helpful votes

ይኸውን ድማ፡ እግዚኣብሄር ናብታ ንኣኻን ነቦታትካን ዝመሐለልካ ምድሪ ኸነኣናውያን ምስ ኣእተወካ፡ ንኣኻ ምስ ሀበካ፡ ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ክትፈሊ ኢኻ። ካብ ዘሎካ ማልካ ቅድም እተወልደ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እዩ። ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎ፡ እንተ ዘይተበጆኻዮ ኸኣ፡ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ በዅሪ ንዘበለ ዅሉ ሰብ ተበጀዎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንዳሕራዩ ወድኻ፡ እዚ ኣንታይ እዩ፧ ኢሉ ምስ ዚሓተካ፡ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ብሓያል ኢድ ኣውጽኣና። ኰነ ኸኣ፡ ፈርኦን ከይሓድገና ምስ ተረረ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ግብጺ ንዅሉ በዅሪ፡ ካብ በዅሪ ሰብ ክሳዕ በዅሪ እንስሳ፡ ቀቲሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እስውኦ፡ ካብ ደቀይ ድማ በዅሪ ንዝዀነ ዅሉ እብጀዎ፡ ትብሎ። እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ብሓያል ኢድ ኣውጺኡና እዩ እሞ፡ እዚ ድማ ኣብ ኢድካ ኸም መፈለጥታ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸኣ ከም ክታብ ይኹንካ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 27:28-29 | 2 Helpful votes

ሰብ ንእግዚኣብሄር ዝሐረሞ ዂሉ ሕሩም ነገር ካብ ዝዀነ ገንዘቡ፡ ሰብ ኰነ እንስሳ ዀነ ወይ ግራት ርስቱ ዝዀነት፡ ኣይሸየጥ ኣይበጀዎ ድማ። እተሐርመ ዘበለ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። እተሐርመ ዘበለ ሕሩም ሰብ ሞት ይሙት እምበር፡ ኣይበጀዎ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 23:20-25 | 2 Helpful votes

ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዂሎም ናይ በረኽቲ ኻህናት ድማ ኣብቲ መሰውኢታት ሐረዶም፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዕጽምቲ ሰብ ኣንደደ። ናብ የሩሳሌም ድማ ተመልሰ። እቲ ንጉስ ከኣ ንብዘለዉ ህዝቢ፡ ከምቲ ኣብዚ መጽሓፍ ኪዳን እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፋስጋ ኣብዕሉ ኢሉ ኣዘዞም። ካብቲ መሳፍንቲ ንእስራኤል ዝፈርዱሉ ዝነበሩ ዘመን ጀሚሩ ኸኣ፡ ብዘሎ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን ከምዚ ዝበለ ፋስጋ ኣይተፈሰገን። እዚ ፋስጋ እዝስ ንንጉስ ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ደኣ ኣብ የሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ተገብረ። ዮስያስ ድማ ቃላት እቲ ኣብቲ ኻህን ሒልቂያ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝረኸቦ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዘሎ ሕጊ ምእንቲ ኬቕውም ኢሉ፡ ነቶም መናፍስቲ ዚሐቱን ንጠንቈልትን ንኣማልኽቲ ቤትን ንጣኦታትን ኲሉ እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ንእተራእየ ጽያፋትን ኣደዶ። ከምቲ ዂሉ ነፍሱን ሕጊ ሙሴ ገይሩ ብዂሉ ልቡን ብዂሉ ዂሉ ነፍሱን ብዂሉ ሓይሉን ናብ እግዚኣብሄር እተመልሰ ንጉስ ከኣ ብቕድሚኡ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን፡ ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ኣይተንስኤን።

Translation | Context
መዝሙር 106:37-41 | 2 Helpful votes

አወዳቶምን ኣዋልዶምን ነጋንንቲ ሰውኡሎም። ንጹህ ደም፣ ደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፣ ኣፍሰሱ፣ ንጣኦታት ከነኣን ሰውእዎም፣ እታ ሃገርውን ብደም ረኸሰት። በዚ ከምዚ ብተግባሮም ረኸሱ፣ ብግብርታቶም ከኣ ኣመንዘሩ። ሽዑ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደ፣ ንርስቱ ኸኣ ፈንፈኖ። አብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሀቦም፣ እቶም ዝጸልእዎም ድማ መለኽዎም።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:29 | 2 Helpful votes

ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረአየ እሞ፥ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ።

Translation | Context
ሉቃስ 11:47-51 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩምውን መቓብር ነብያት ትሰርሑ አሎኹም፡ ኣቦታትኩምውን ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም። ንሳቶም ቀቲሎምዎም እዮም፡ ንስካትኩም ድማ መቓብሮም ትሰርሑ አሎኹም እሞ፡ ከምኡ ነዚ ንስካትኩም ምስክር ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ኣቦታትኩምውን ትሰምርዎ አሎኹም። ስለዚ ድማ ጥበብ ኣምላኽ በለት፥ ነብያትን ሃዋርያትን ናባታቶም እልእኽ አሎኹ፡ ንሓያል ካባታቶም ከኣ ይቐትሉን ይሰጕዎምን አለዉ። ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ፡ እቲ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ኪደለ እዩ። እወ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ኪድለ እዩ፡ እብለኹም አሎኹ።

Translation | Context
ሆሴዕ 6:6 | 2 Helpful votes

ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱ፣ መስዋእቲ ኣይኰነን፣ ካብ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ።

Translation | Context