Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

house dedication


2ይ ሳሙኤል 7:29 | 26 Helpful votes

ሕጂ ድማ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለአለም ክትባረኽ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቤት ባርያካ ንዘለአለም ኣብ ቅድሜካ ምእንቲ ኽትነብር፡ ክትባርኻ ፍቶ።

Translation | Context
መዝሙር 91:9-11 | 12 Helpful votes

ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፣ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣

Translation | Context
ምሳሌ 24:3-4 | 11 Helpful votes

ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ። ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዅሉ ጥሪት ዚመልእ።

Translation | Context
መዝሙር 127:1 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፣ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፣ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:17 | 4 Helpful votes

ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።

Translation | Context
መዝሙር 127:1-5 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፣ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፣ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ። ኣንጊህኩም ምትንሳእኩም፣ ኣምሲኹም ምድቃስኩም፣ እንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፣ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ። እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፣ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍሩን እዮም።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:5 | 3 Helpful votes

ቤት ስርሑ እሞ ንበሩላ፡ ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:19-22 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይስን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን። ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዐቢ እዩ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ አሎኹም።

Translation | Context
እያሱ 24:15 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን፡ ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል።

Translation | Context
መዝሙር 150:1-6 | 2 Helpful votes

ሃሌሉያ። ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:24-27 | 2 Helpful votes

ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።

Translation | Context
መዝሙር 128:1-6 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፣ ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ። ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ፣ ብጹእ ኢኻ፣ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም። እንሆ፣ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኺባረኽ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ኪባርኸካ፣ ኵለን መዓልትታት ህይወትካ ድማ ሰናይ የሩሳሌም ክትርኢ ኢኻ። ደቂ ደቅኻውን ክትርኢ ኢኻ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።

Translation | Context
መዝሙር 121:1-8 | 2 Helpful votes

ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል አሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ፧ ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ። ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልን፣ ሓላዊኻ ኣይታኸስን። እንሆ፣ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቅስን እዩ። እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ። ጸሓይ ብመዓልቲ፣ ወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ። እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ፣ ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 17:1-27 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ዳዊት ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ ዳዊት ንነብዪ ናታን፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ተቐሚጠ አሎኹ፡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ትሕቲ መጋረጃታት አሎ፡ በሎ። ናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበር፡ በሎ። ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምዚ ዚብል ቃል ኣምላኽ ናብ ናታን መጾ፡ ኪድ እሞ ንዳዊት ባርያይ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ በሎ፡ ኣነ ዝነብረላ ቤት ንስኻ ኣይክትሰርሓለይን ኢኻ። ካብታ ንእስራኤል ዘደየብኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ኻብ ድንኳን ናብ ድንኳን፡ ካብ ማሕደሪውን ናብ ማሕደሪ እኸይድ ነበርኩ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ምስ ብዘሎ እስራኤል እተመላለስኩሉ፡ ንሓደ ኻብቶም ንህዝበይ ኪጓስዩ ንዝኣዘዝክዎም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይ፧ ኢለዶ ተዛረብኩ፧ ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ክትከውንሲ፡ ኣነ ኻብቲ ምጒሳይ ካብ ድሕሪ እተን ኣባጊዕ ኣምጻእኩኻ። ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ነበርኩ፡ ንዂሎም ጸላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ስም ክገብረልካ እየ፡ ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኽዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ ከይነቓነቕ፡ ኣብታ ቦታ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ ኸምቲ ኻብተን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝኣዘዝኩለን መዓልትታት፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣይከጨንቕዎምን እዮም። ንዂሎም ጸላእትኻ ድማ ከጥቅዖም እየ። እግዚኣብሄር ደኣ ንኣኻ ቤት ከም ዚሰርሓልካ፡ እነግረካ አሎኹ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ መዓልትታትካ ምስ መልኣ፡ ናብ ኣቦታትካውን ምስ ከድካ፡ ብድሕሬኻ ነቲ ካብ ደቅኻ ዚኸውን ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየ፡ መንግስቱ ድማ ከጽንዓ እየ። ንሱ ንኣይ ቤት ኪሰርሓለይ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋኑ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ። ኣነ ኣቦ ክዀኖ እየ፡ ንሱ ድማ ወዲ ኪዀነኢ እዩ። ምሕረተይ ከኣ፡ ከምቲ ኻብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝነበረ ዝመለስክዋ፡ ካብኡ ኣይክመልሳን እየ። ኣብ ቤተይን ኣብ መንግስተይን ደኣ ንዘለኣለም ከቚሞ እየ፡ ዝፋኑ ኸኣ ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ። ከም ኲሉ እዚ ዘረባ እዝን ከም ኲሉ እዚ ራእይ እዝን ናታይ ከምኡ ገይሩ ንዳዊት ተዛረቦ። ሽዑ ንጉስ ዳዊት አትዩ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ በለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ኣነ መን እየ፧ ቤተይከ እንታይ እያ፧ ዎ ኣምላኽ፡ እዚ ድማ ንእሽቶ ዀይኑ ተራእዩካስ፡ ብዛዕባ ቤት ባርያኻ ብርሑቕ ዚኸውን ትዛረብ አሎኻ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ልዕል ዝበለ መዓርግ ከም ንዘለዎ ሰብ ጌርካ ድማ ርኤኻኒ። ንባርያኻስ ትፈልጦ አሎኻ እሞ፡ ደጊም ዳዊት ብዛዕባ እዚ ኽብረት ባርያኻ እንታይ ኪውስኽ እዩ፧ ዎ እግዚኣብሄር፡ እዚ ዂሉ ዓበይቲ ነገራት ከተፍልጥሲ፡ ምእንቲ ባርያካ ከም ልብኻን ኢልካ ዂሉ እዚ ዕቤት እዚ ገበርካ። ዎ እግዚኣብሄር፡ በቲ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ዂሉ፡ ከማኻ የልቦን፡ ብጀካኻ ድማ ኣምላኽ የልቦን። ከብ ቅድሚ እቲ ኻብ ግብጺ ዘድሐንካዮ ህዝብኻ ኣህዛብ ብምስጓጒካ፡ በዚ ዓብዪን ዜፍርህን ነገር ንኣኻ ስም ክትገብርሲ፡ ህዝቡ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣምላኽ ባዕሉ ኼድሕኖ ዝኸደ፡ ኣብ ምድሪኸ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ሓደ ህዝቢዶ አሎ እዩ፧ ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ንዘለኣለም ንኣኻ ህዝቢ ኪኸውን ገበርካዮ፡ ንስኻ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኹ ዀንካሉ። ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤቱን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ይጽናዕ ኢልካ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ግበር። ሽዑ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንሱ ንእስራኤል ኣምላኽ እዩ፡ እናተባህለ ስምካ ንዘለኣለም ይጽናዕን ይዕበን። እታ ቤት ዳዊት ባርያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ጸኒዓ አላ። ዎ ኣምላኸይ፡ ንባርያኻ ቤት ከም እተሰርሓሉስ፡ ንስኻ ኣብ ኣእዛኑ ገሊጽካሉ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ኺጽሊ ኣብ ልቡ ረኸበ። ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንባርያኻ ኸኣ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚ ኣተስፎኻዮ። ሕጂ ድማ እቲ ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዝባረኽካዮ ንዘለኣለም ብሩኽ እዩ እሞ፡ ቤት ባርያኻ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽትነበር፡ ክትባርኻ ፈቲኻ አሎኻ።

Translation | Context