Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

horse


ህዝቅኤል 23:20 | 24 Helpful votes

ምስቶም ዘመውቲ፣ ስጋኦም ከም ናይ ኣድጊ ስጋ፣ ዘርኦም ከም ዘርኢ ኣፍራስ ዝዀነ ኸኣ፣ ብፍትወት ነደደት።

Translation | Context
እዮብ 39:19-25 | 22 Helpful votes

ንፈረስ ሓይሉ ዝሀብካዮ ንኽሳዱውን ዘውዘው ዚብል ጒንጒነ ዘልበስካዮ ንስኻ ዲኻ፧ ከም ኣንበጣዶ ተሰራስሮ ኢኻ፧ ዕቡይ ኲርፍታኡ ዜሰምብድ እዩ። ኣብ ጐልጐል እናጸሕተረ ብሓይሉ ይሕጐስ፡ ምስ ኣጽዋር ኪገጥም ይወጽእ። ንፍርሃት የባጭዎ ኣይፈርህን ከኣ፡ ካብ ሰይፊውን ድሕር ኣይብልን እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ናይ ፍላጻ ጒልድባ፡ ቊልጭልጭ ዚብል ኲናትን ስሕለትን ጭዋሕዋሕ ይብል። እናፈጠነ ብዂራ ንምድሪ ይውሕጣ፡ መለኸት ኪንፋሕ ከሎ፡ ኣይግታእን። መለኸት ምስ ዚሰምዕ፡ ይሕምሕም፡ ንሰልፍን ንጭድርታ ሓላቑን ንወኻዕታ ሰራዊትን ካብ ርሑቕ ይሽትቶ።

Translation | Context
ምሳሌ 21:31 | 19 Helpful votes

ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ተዳልዩ አሎ፡ ስዕረት ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።

Translation | Context
ራእይ 19:11-21 | 16 Helpful votes

ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን። ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎ። ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ። ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ። ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርኤኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዚነፍራ ዘለዋ ዅለን ኣዕዋፍ፡ ስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦም፡ ስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስ፡ ንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተአከባ፡ እናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ርኤኹ። እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝገበረ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም። እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ፡ ኵለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዔን ጸገባ።

Translation | Context