Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

honoring your body


1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 29 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:16-17 | 26 Helpful votes

ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 9 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
እብራውያን 4:12 | 7 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 5:16 | 6 Helpful votes

ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:1-12 | 5 Helpful votes

ነዚ ምስክርና መን ኣመኖ፧ ቅልጽም እግዚኣብሄርከ ንመን ተጋህደሉ፧ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበ። መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮን። ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖ። መከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን። ካብ ጥቕዓትን ፍርድን ተወስደ፡ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም እተቘርጾ፡ ካብቶም ወለዶኡ መን ሐሰቦ፧ ብምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ። እከይ ዘይገበረ፡ ሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩ፡ ብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ። እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወ። ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ ዘርኢ ኺርኢ፡ መዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ። ጻማ ነፍሱ ኺርኢ ኺጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕ፡ ኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ። ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ፡ ስለዚ ግዲኡ ምስ ዓበይቲ ኽመቕሎ እየ፡ ምርኮውን ምስ ሓያላት ኪመቅል እዩ። ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ።

Translation | Context