Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

home blessings


ምሳሌ 24:3-4 | 10 Helpful votes

ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ። ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዅሉ ጥሪት ዚመልእ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 32:18 | 9 Helpful votes

ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 10:5 | 9 Helpful votes

ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ቅድም፡ ነዛ ቤት ሰላም ይኹን፡ በሉ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 25:6 | 8 Helpful votes

ከምዚ ድማ በልዎ፡ ጥዕና ይሀበለይ፡ ንኣኻ ሰላም፡ ንቤትካ ሰላም፡ ንዘሎካ ዅሉውን ሰላም።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 7:29 | 6 Helpful votes

ሕጂ ድማ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለአለም ክትባረኽ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቤት ባርያካ ንዘለአለም ኣብ ቅድሜካ ምእንቲ ኽትነብር፡ ክትባርኻ ፍቶ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 5 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 5:4 | 4 Helpful votes

ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብዂሉ ዙርያ ኣዕሪፋኒ እዩ፡ ገለ ተጻራሪ የልቦን፡ ገለ ናይ ድንገት ነገር ድማ የልቦን።

Translation | Context
እያሱ 24:15 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን፡ ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል።

Translation | Context
ምሳሌ 3:33 | 4 Helpful votes

መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ረሲእ እዩ፡ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:13 | 3 Helpful votes

እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና ሰላምኩም ይሕደራ። ዘይትበቅዕ እንተ ዀነት ግና፡ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 24:5 | 3 Helpful votes

ኣታ ያእቆብ፡ ድንኳናትካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ ማሕደርካ ኽንደይ ይጽብቕ።

Translation | Context
ምሳሌ 14:1 | 3 Helpful votes

ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽ፡ ዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 32:18-20 | 2 Helpful votes

ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ። ግናኸ ዱር ብበረድ ኪወድቕ፡ እታ ኸተማውን ኣዝያ ኽትዋረድ እያ። ኣቱም ኣብ ጥቓ ዂሉ ማያት እትዘርኡን ነእጋር ብዕራይን ኣድግን እትፍንውን፡ ብጹኣን ኢኹም።

Translation | Context
እዮብ 5:24 | 2 Helpful votes

ድንኳንካ ብሰላም ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኢኻ፡ ንኸብትኻ እንተ ተቛመትካዮ፡ ዚስአን የልቦን።

Translation | Context
መዝሙር 147:14 | 2 Helpful votes

ኣብ ወሰናትኪ ሰላም ይገብር። ብስብሒ ስርናይ የጽግበኪ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:2 | 2 Helpful votes

ብትሕና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡

Translation | Context