Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

history


ዘዳግም 17:18-20 | 22 Helpful votes

ይኸውን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ። ካብቲ ኣብ ቅድሚ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንእኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፍ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሀር፡ ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኸይልዐል፡ ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይዘብል፡ ንሱን ደቁን ኣብ ማእከል እስራኤል መዓልትታት መንግስቱ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኺገብሮስ፡ ምስኡ ይኹን፡ ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸኣ የንብቦ።

Translation | Context
ሮሜ 15:4 | 22 Helpful votes

ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።

Translation | Context
እዮብ 8:8-10 | 13 Helpful votes

ነቶም ቀደም ዝሐለፉ ወለዶ ዀታ ጠይቆም እሞ፡ ነቲ ኣቦታቶም እተረድእዎ ኸኣ ኣሰተብህሎ። ንሕና ገለ ዝይንፈልጥ ናይ ትማሊ ኢና እሞ፡ ኣብ ምድርስ መዓልትታትና ኸም ጽላሎት እየን። ግናኸ ንሳቶም ኣይኪምህሩኻን ኣይኪነግሩኻንዶ እዮም፧ ካብ ውሽጢ ልቦም ቃላትዶ ኣይኬውጽኡን እዮም፧

Translation | Context
እብራውያን 11:3 | 6 Helpful votes

ዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረት፡ ከምኡውን እቲ ዚርኤ ኻብ ዘይርኤ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕሎ አሎና።

Translation | Context
መዝሙር 78:3-4 | 5 Helpful votes

እቲ ዝሰምዕናዮን ዝፈለጥናዮን፣ ኣቦታትናውን ዘዘንተዉልና፣ ካብ ውሉዶም ኣይንሐብኦን፣ ነቲ ዚመጽእ ወለዶስ ምስጋና እግዚኣብሄርን ስልጣኑን እቲ ዝገበሮ ተአምራቱን ደኣ ንነግሮ።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 4 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:1 | 3 Helpful votes

ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።

Translation | Context
መክብብ 7:10 | 3 Helpful votes

ካብ እዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሸ ስለምንታይ እዩ፡ ኣይትበል፡ እዝስ ብጥበብ ኣይኮንካን እትሐቶ ዘሎኻ።

Translation | Context
መክብብ 1:9 | 2 Helpful votes

እቲ ዝነበረ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸኣ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ሓድሽ ነገር ከቶ የልቦን።

Translation | Context
መዝሙር 139:4 | 2 Helpful votes

ጐይታየ፣ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፣ እንሆ፣ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፣ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፣ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።

Translation | Context
ሮሜ 13:1-7 | 2 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።

Translation | Context