Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

herbs and plants


ዘፍጥረት 9:3 | 18 Helpful votes

ዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉ ህያው መብልዕኩም ይኹን፡ እዚ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ ብቑሊ ሂበኩም አሎኹ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 47:12 | 15 Helpful votes

ወሰነ ወሰን እዚ ርባ በዝን በትን ኵሉ ኦኣይነት ፈራዪ ኣእዋም ኪበቍል እዩ። ኣቍጽልቱ ኣይኪጽምሉን፣ ፍሬኡውን ኣይኪውዳእን እዩ። ማያቱ ካብቲ መቕደስ እዩ ዚፍልፍል እሞ፣ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኺፈሪ፣ ፍሬታቱ ንምግቢ፣ ኣቍጽልቱ ድማ ንመድሓኒት ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:12 | 13 Helpful votes

እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤት። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:8 | 7 Helpful votes

ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።

Translation | Context
መዝሙር 104:14 | 6 Helpful votes

ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶ፣ ዘይቲ ንገጹ ኼብርሆ፣ እንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖስ፣ ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ፣ ንእንስሳስ ሳዕሪ፣ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:29 | 6 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም።

Translation | Context
ራእይ 22:2 | 6 Helpful votes

ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት አላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ አሎ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:3 | 4 Helpful votes

ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:1-4 | 4 Helpful votes

በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ። ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዓለመ፡ ሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡ መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡ ብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ኪሐርሞ ይእዝዙ አለዉ። እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን።

Translation | Context
ዘጸአት 30:22-29 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ካብ ዝበለጸ ጥዑም ጨና ንኣኻ ወሰድ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ዚነጥብ ከርበ፡ ፈረቓኡ ኸኣ፡ ማለት ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ ዶሪራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል። ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሲቃል መቕደስ ከኣ ካብ ሳናመኪ፡ ሓደ ሂን ዘይቲ ኣውልዕ ድማ። ንእኡ ኸም ብብልሓት ገባር ቅብኢ እተገበረ ቕብኢ፡ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ግበሮ። ንሱ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ይኹን። ብእኡ ድማ ነቲ ድንኳን ምርኻብን ንታቦት ምስክርን ቅባእ፡ ነቲ ሰደቓን ኵሉ ኣቓሑኡን ንቐዋሚ ቐንዴልን ኵሉ ኣቓሑኡን ንመሰውኢ ዕጣን ከኣ፡ ንመሰውኢ ምሕራርን ኵሉ ኣቓሑኡን፡ ነቲ ገበራን ኣጋሮኡን ቅባእ። ቅዱስ ቅዱሳን ኪኸውን ድማ ቀድሶ። ዚትንክዮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ይቕደስ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 11:5 | 3 Helpful votes

እቲ ኣብ ግብጺ ብኸምኡ ዝበላዕናዮ ዓሳ፡ ዱባን ብርጭቕን ሽጕርቲ ቓንጫን ቀይሕ ሽጕርትን ጻዕዳ ሽጕርትን ዘከርና፡

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:30 | 3 Helpful votes

ንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:22-23 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኰይኑ አሎ። ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕ፡ ንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰይኑ ኸይነብር፡ ኢሉ፡ ስለዚ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኺዐይያ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ገነት ኤደን ኣውጽኦ።

Translation | Context
ዘዳግም 8:7-8 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብ ጽብቕቲ ምድሪ ኼእትወካ እዩ እሞ፡ ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ኣኽራንን ዚፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዔላታትን ዘለዋ፡ ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፡ ምድሪ ናይ ዘይቲ ኣውልዕን መዓርን፡

Translation | Context