Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

heartbreak


መዝሙር 147:3 | 19 Helpful votes

ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፣ ነቚሳሎም ይዘንን።

Translation | Context
መዝሙር 34:18-20 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄን፣ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን።

Translation | Context
ምሳሌ 14:13-14 | 7 Helpful votes

ልቢ እናሰሐቕካውን ይጉሂ እዩ፡ መወዳእታ ሓጐስ ከኣ ሓዘን እዩ። እቲ ብልቡ ዚዐሉ ብመገዱ ይጸግብ፡ ደጊ ሰብ ድማ ካብ ርእሱ እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 4:9 | 6 Helpful votes

ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።

Translation | Context
መዝሙር 39:12 | 4 Helpful votes

ኣብ ቅድሜኻ ጋሻ፣ ከም ኵሎም ኣቦታተይ ስደተኛ እየ እሞ፣ ዎ ጐይታይ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ምለስ፣ ብንብዓተይ ስቕ ኣይትበል።

Translation | Context
መዝሙር 55:22 | 3 Helpful votes

ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፣ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን።

Translation | Context
ምሳሌ 12:25 | 3 Helpful votes

እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ፡ ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ።

Translation | Context
መዝሙር 86:1-17 | 3 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፣ እዝንኻ ኣድንን፣ ምለሰለይውን። ሄር እየ እሞ፣ ንነፍሰይ ሐልዋ፣ ኣታ ኣምላኸየ፣ ነቲ ኣባኻ ዚውከል ባርያኻ ኣድሕኖ። ምሉእ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ አሎኹ እሞ፣ ጐይታየ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ እሞ፣ ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጕሳ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፣ ናባኻ ንዜእውዩ ዅላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ እሞ፣ ጐይታየ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ። ንስኻ ኽትመልሰለይ ኢኻ እሞ፣ ብመዓልቲ ጸበባይ ክጽውዓካ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን፣ ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ኵሎም መጺኦም ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ፣ ንስምካውን ኬኽብሩ እዮም። ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ እሞ፣ ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፣ መገድኻ ምሀረኒ፣ ስምካ ኽፈርህሲ፣ ንልበይ ኣዳልዎ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ሳህልኻ ንኣይ ዓብዪ እዩ፣ ንነፍሰይውን ካብ መዓሙቚ ሲኦል ኣውጺእካያ ኢኻ እሞ፣ ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ፣ ስምካውን ንዘለአለም ከኽብር እየ። ዎ ኣምላኽ፣ ትዕቢተኛታት ተንሲኦምኒ፣ ኣኼባ ገፋዕቲ ኸኣ ንነፍሰይ ይደልይዋ አለዉ፣ ንኣኻውን ኣብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን። ጐይታየ፣ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልን፣ ብሳህልን ሓቅን ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻ። ናባይ ግልጽ በል እሞ ምሐረኒ፣ ንባርያኻ ሓይልኻ ሀቦ፣ ንወዲ እታ ባርያኻ ኣድሕኖ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዲእካንን ኣጸናኒዕካንን ኢኻ እሞ፣ ጸላእተይ ርእዮም ኪሐፍሩስ፣ ምልክት ደሓን ግበረለይ።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:32 | 3 Helpful votes

ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።

Translation | Context
ዮሃንስ 13:7 | 2 Helpful votes

የሱስ መሊሱ፡ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦን፡ ድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ፡ በሎ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:14 | 2 Helpful votes

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5 | 2 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።

Translation | Context
ምሳሌ 13:12-14 | 2 Helpful votes

ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ፡ እተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ። ነቲ ቓል ዚንዕቆ ንነፍሱ የጥፍኣ፡ ነቲ ትእዛዝ ዚፈርሆ ግና ኪከሐስ እዩ። ካብ ወጽመድ ሞት ምእንቲ ኸተምልጥሲ፡ ሕጊ ጠቢብ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:17 | 2 Helpful votes

እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።

Translation | Context