Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

healthy eating


1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 14 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:31 | 10 Helpful votes

እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:29 | 6 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:27 | 6 Helpful votes

ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:16-17 | 4 Helpful votes

ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።

Translation | Context
ምሳሌ 25:27 | 4 Helpful votes

መዓር ኣብዚሕካ ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ከምኡውን ከቢድ ነገር ምምርማር ዜሸግር እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 14:1-23 | 4 Helpful votes

ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ። ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን አሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕ። ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩ። እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን አሎኹ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ። መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ። ኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ። ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔ፡ ይዂነን።

Translation | Context
3ይ ዮሃንስ 1:2 | 4 Helpful votes

ኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:12 | 3 Helpful votes

ኲሉ ተፈቒዱለይ አሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ አሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 9:3 | 3 Helpful votes

ዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉ ህያው መብልዕኩም ይኹን፡ እዚ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ ብቑሊ ሂበኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:35 | 2 Helpful votes

የሱስ በሎም፥ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከቶ ኣይጸምእን እዩ።

Translation | Context
ዳንኤል 1:8-20 | 2 Helpful votes

ዳንኤል ግና፣ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስ፣ ብልቡ ሐለነ፣ ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ። ኣምላኽ ከኣ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስ ምሕረትን ሀቦ። እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ንዳንኤል፣ ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታይ ንጉስ እፈርሆ አሎኹ። ንገጽኩምሲ ኻብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዐቢሩ እንተ ረኸቦ፣ ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዕዋ እፈርህ አሎኹ፣ በሎ። ሽዑ ዳንኤል ነቲ፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፣ ጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካ፣ ዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና። ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ፣ ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና፣ በሎ። ንሱ ድማ ነዚ ነገርዚ ሕራይ ኢሉ፣ ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም። እተን ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ ኸኣ፣ ካብ ኵሎም እቶም መብልዕ ንጉስ ዝበልዑ መንእሰያት ዝበለጸ፣ በሪሁን ሀጢሮምን ተራእዩ። ሽዑ እቲ መጋቢ ነቲ ድርጎኦም ብልዕን ዚሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉ፣ ጥረ ሀቦም። ኣምላኽ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እዚኦም ፍልጠት፣ ብዅሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከኣ ምስትውዓል ሀቦም። ዳንኤል ድማ ኵሉ ራእያትን ሕልምታትን የስተውዕል ነበረ። እታ፣ እቲ ንጉስ ኪኣትዉላ ኢሉ ዝመደባ መዓልቲ ምስ በጽሔት፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጻር ኣኣተዎም። እቲ ንጉስ ከኣ ተዛረቦም፣ ካብ ኵላቶም ድማ ከም ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን። ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቈሙ። ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዝጠየቖም ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ኵሉ ነገር፣ ካብቶም ኣብ ግዝኣቱ ዝነበሩ ጠቢባንን ፈለጥትን ዓሰርተ ኢድ በሊጾም ረኸቦም።

Translation | Context
ዘጸአት 23:25 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ። ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኸርሕቕ እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 23:21 | 2 Helpful votes

ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፡ ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተዪ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 2 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ማቴዎስ 4:4 | 2 Helpful votes

የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ።

Translation | Context
ዘዳግም 14:8 | 2 Helpful votes

ሓሰማ፡ ንሳ ሸዀናኣ ምቑል እዩ፡ ግናኸ ኣይተመጕስዕን እያ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 7:15-19 | 2 Helpful votes

ካብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚአቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በሎም። ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እዚ ምስላዚ ሓተትዎ። በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንዲዚ ደናቝርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ ዅሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ናብ ከብዲ እምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ እሞ፡ ንዅሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ እዩ ንግዳም ዚወጽእ።

Translation | Context