Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

health and fitness


1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 39 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:8 | 13 Helpful votes

እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:29 | 10 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም።

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 8 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 4:9 | 5 Helpful votes

ንስካ ስርናይና ስገምን ባልደንጓን ብርስንን ቡልቱግን ሰዓዕን ወሰድ፣ ኣብ ሓደ ኣቕሓ ግበሮ እሞ፣ ካብኡ እንጌራ ሰንክት፣ ብቝጽሪ እተን ብሓደ ጐድንኻ እትድቅሰለን መዓልትታት፣ ማለት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፣ ካብኡ ኽትበልዕ ኢኻ።

Translation | Context
3ይ ዮሃንስ 1:2 | 5 Helpful votes

ኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 18:34 | 3 Helpful votes

ንሱ ነእዳወይ ውግእ፣ ንቐላጽመይ ድማ ምግታእ ቀስቲ ኣስራዚ ዘልመደን እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 5:22-23 | 3 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን።

Translation | Context
ምሳሌ 14:30 | 3 Helpful votes

ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ፡ ቅንኢ ግና ነዕጽምቲ ቝንቍኔኡ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:18 | 3 Helpful votes

ዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።

Translation | Context