Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

having a baby


መዝሙር 127:3-5 | 13 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፣ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍሩን እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 127:3 | 10 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:28 | 8 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 6 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
መዝሙር 128:3-5 | 5 Helpful votes

ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም። እንሆ፣ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኺባረኽ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ኪባርኸካ፣ ኵለን መዓልትታት ህይወትካ ድማ ሰናይ የሩሳሌም ክትርኢ ኢኻ።

Translation | Context
መዝሙር 139:13-16 | 4 Helpful votes

ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:6 | 4 Helpful votes

ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 25:21-22 | 4 Helpful votes

ይስሃቅ ድማ፡ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ነበረት እሞ፡ ምእንትኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ተለመኖ፡ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት። እቶም ቈልዑ ኸኣ ኣብ ማሕጸና ይዳፋፍኡ ነበሩ። ሽዑ ንሳ፡ ከምዚ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ንምንታይ እነብር አሎኹ፧ በለት። ንእግዚኣብሄር ክትሓትት ድማ ኸደት።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:19-20 | 3 Helpful votes

ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱ፡ ተመሊሶም ከኣ ናብ ቤቶም ኣብ ራማ ኣተዉ። ኤልቃና ድማ ንሰበይቱ ሃና ፈለጣ፡ እግዚኣብሄርውን ዘከራ። ኰነ ኸኣ፡ መዓልትታት ምስ ሐለፋ፡ ሃና ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት። ንሳ ኸኣ፡ ካብ እግዚኣብሄር ለሚነዮ እየ እሞ፡ ኢላ ስሙ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:7-8 | 2 Helpful votes

ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም። ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:10-11 | 2 Helpful votes

ንሳ ድማ ብነፍሳ ተመሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፡ ንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ፡ ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎን፡ ኢላ መብጽዓ ተማባጽዔት።

Translation | Context
ሉቃስ 1:13 | 2 Helpful votes

እቲ መልኣኽ ድማ በሎ፥ ዘካርያስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራሕ። ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልድካ እያ፡ ስሙውን ዮሃንስ ክትሰምዮ ኢኻ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 25:21 | 2 Helpful votes

ይስሃቅ ድማ፡ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ነበረት እሞ፡ ምእንትኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ተለመኖ፡ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት።

Translation | Context
ሉቃስ 1:31 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:12 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንቓለይ ክተግሃሉን ከም ዚፍጸም ክገብሮን እየ እሞ፡ ጽቡቕ ርኢኻ፡ በለኒ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:11-15 | 2 Helpful votes

ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር። ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። ብእምነት ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።

Translation | Context
ቲቶስ 2:4 | 2 Helpful votes

ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ፡ ነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዚኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን።

Translation | Context
ዘዳግም 28:4 | 2 Helpful votes

ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርካን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩክ ይኸውን።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:4 | 2 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።

Translation | Context
ሉቃስ 2:40 | 2 Helpful votes

እቲ ሕጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽውን ኣብኡ ነበረ።

Translation | Context