Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

haters


መዝሙር 69:4-5 | 17 Helpful votes

ብኸንቱ ዚጸልኡኒ ኻብ ጸጒሪ ርእሰይ ይበዝሑ፣ ብዘይ ምኽንያት ኬጥፍኡኒ ዚደልዩ ጸላእተይ ሓያላት እዮም፣ ኤረ ዘይከተርክዎ ኽመልስ እኳ ግዲ ዀነኒ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ዕሽነተይ ትፈልጥ ኢኻ፣ በደለይውን ካባኻ ኣይተሐብኤን።

Translation | Context
ሮሜ 1:29 | 8 Helpful votes

ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ምሉኣት ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ፡

Translation | Context
ሮሜ 1:29-32 | 7 Helpful votes

ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ምሉኣት ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ፡ መሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት፡ ገፋዕቲ፡ ኲሩዓት፡ ተዘሃርቲ፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ አለዉ እምበር፡ ዚገብርዎ ጥራይ ኣይኰኑን።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 11:14 | 7 Helpful votes

ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 41:11-12 | 5 Helpful votes

ጸላእተይ እንተ ዘይተዐወተለይ፣ በዚ ንስኻ ኸም ዝበሀግካኒ እፈልጥ አሎኹ። ንአይሲ ብንጽህናይ ትድግፈኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ንዘለአለም ተንብረኒ አሎኻ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 5 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ያእቆብ 4:6 | 4 Helpful votes

ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 4 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:18 | 4 Helpful votes

ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:44 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 9:8 | 3 Helpful votes

ምእንቲ ኸይጸልኣካስ፡ ንመላገጺ ኣይትገስጾ፡ ንጠቢብ ገስጾ እሞ ኬፍቅረካ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 3:23 | 3 Helpful votes

ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:2 | 2 Helpful votes

ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡

Translation | Context
ዘሌዋውያን 26:1-46 | 2 Helpful votes

ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንኣኻትኩም ጣኦታት ኣይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ፡ ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግዱሉ ኢልኩም ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ። ሰናብተይ ሓልዉ። መቕደሰይውን ፍርሁ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ብሕጋጋተይ እንተ ኸድኩም፡ ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ሐሎኹም፡ እንተ ገበርኩምዎ ኸኣ፡ ኣነ ዝናምኩም ብጊዜኡ እህበኩም። ምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ፡ ኣእዋም መሮር ከኣ ፍሬኤን ይህባ። መኼዳኹም ክሳዕ ምቕንጣብ ወይኒ ይበጽሕ፡ ምቕንጣብ ወይኒ ኸኣ ክሳዕ ዘርኢ ይበጽሕ። እንጌራኹም በሊዕኩም ትጸግቡ፡ ኣብ ምድርኹም ከኣ ሀዲእኩም ትቕመጡ። ኣብ ምድርኹም ድማ ሰላም ክህብ እየ፡ ንስኻትኩም ከኣ በጥ ትብሉ፡ ዜፍርሃኩምውን የልቦን፡ ሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፡ ሴፍ ድማ ብሃገርኩም ኣይሐልፍን። ጸላእትኹም ትሰጉ፡ ንሳቶም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ። ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ንሚእቲ ይሰጒዎም፡ ሚእቲ ካባኻትኩም ንዓሰርተ ሽሕ ይሰጒዎም፡ ጸላእትኹም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ። ኣነ ገጸይ ናባኻትኩም እመልስ እሞ ከፍርየኩምን ከብዝሓኩምን እየ፡ ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ከቕውም እየ። ነዊሕ እተዐቚረ ነባር እኽሊ ድማ ትበልዑ፡ ስለቲ ሓድጽ ከኣ ነቲ ዕቑር ትጒሕፍዎ። ማሕደረይ ድማ ኣብ ማእከልኩም ክገብር እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ኣይትፍንፍነኩምን። ኣብ ማእከልኩም ድማ እኸይድ፡ ኣምላኽኩምውን እኸውን፡ ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ትዀኑኒ። መታን ባሮቶም ከይትዀኑ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ቊራብዓት ኣርዑትኩም ድማ ሰበርኩ፡ ርእስኹም ኣልዒልኩም ከም እትኸዱውን ገበርኩኹም። ግናኸ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ እዚ ዂሉ ትእዛዛት እዚ ኸኣ እንተ ዘይገበርኩም፡ ሕጋጋተይ ድማ እንተ ነዐቕኩም እሞ ኲሉ ትእዛዛተይ ከይትገብሩ፡ ነፍስኹም ፍርድታተይ እንተ ፈንፈነት፡ ኪዳነይ ከኣ እንተ ኣፍረስኩም፡ ኣነ ድማ እዚ ኽገብረኩም እየ፡ ኣነ መሸበርን ሕዱር ሰዓልን ኣዒንቲ ዜሕምቕ ነፍሲ ኸኣ ዜድክም ዓሶን ክሰደልኩም እየ። ጸላእትኹም ኪበልዕዎ እዮም እሞ፡ ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡ። ገጸይ ከኣ ናብ ልዕሌኹም ክመልስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ድማ ክትሰዐሩ ኢኹም። እቶም ዚጸልኡኹም ከኣ ኪገዝኡኹም እዮም፡ ዝሰጐጐኩም ዜልቦ ድማ ክትሀድሙ ኢኹም። በዚ ድማ ገና እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ ክቐጽዓኩም እየ። ነቲ ትዕቢት ሓይልኹም ክሰብሮ እየ፡ ሰማይኩም ከኣ ከም ሓጺን፡ ምድርኹምውን ከም ኣስራዚ ኽገብር እየ። ምድርኹም እኽላ ኣይትህብን፡ ኦም ሃገር ከኣ ፍሬኣ ኣይትህብን እያ እሞ፡ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ። ክትጻረሩኒ እንተ ኸድኩም፡ ክትሰምዑኒውን እንተ ዘይፈቶኹም፡ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሾብዓተ ሳዕ ክወቕዓኩም እየ። ንደቅኹም ዚዝርፉ፡ ንማልኩምውን ዜጥፍኡ፡ ንቚጽርኹም ድማ ዜውሕዱ ኣራዊት መሮር ክሰደልኩም እየ፡ መገድኹም ከኣ ይባድም። በዚ ነገርዚ እንተ ዘይተቐጻዕኩምለይ፡ ግናኸ ንኣይ ብምጽራር እንተ ተመላለስኩም፡ ኣነ ኸኣ ንኣኻትኩም ብምጽራር እመላለስ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩምውን ኣነ ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ እወቕዓኩም። ሕነ ኺዳነይ ዚፈዲ ሴፍ ድማ ኣብ ልዕሌኹም ከምጽእ እየ፡ ኣብ ከተማታትኩም ከኣ ትእከቡ፡ ናብ ማእከልኩም ድማ ፌራ እሰድድ፡ ኣብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ትወሀቡ። በትሪ እንጌራ ምስ ዝሰብረልኩም፡ ንእንጌራኹም ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ይስንክታኦ፡ እንጌራኹም ድማ ብሚዛን ይመልሳልኩም፡ በሊዕኩም ከኣ ኣይትጸግቡን። በዚ ነገርዚ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ እሞ እናተጻረርኩምኒ እንተ ኽድኩም፡ ኣነ ድማ ብቑጥዓ እናተጻረርኩኹም እኸይድ እሞ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሸብዓተ ዕጽፊ እቐጽዓኩም። ስጋ ኣወዳትኩም ክትብልዑ፡ ስጋ ኣዋልድኩም ከኣ ክትበልዑ ኢኹም። በረኽትኹም ኤፍርስ፡ ናይ ጸሓይ ኣዕኒድኩምውን እሰብር፡ ንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ ሬሳ ጣኦታትኩም ክድርብዮ እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ክትፍንፍነኩም እያ። ንኸተማታትኩም ድማ በረኻ እገብረን፡ ንመቓድስኩምውን ኤፍርሰን፡ ደጊም ከኣ እቲ ጥዑም ጨና ዕጣንኩም ኣየጨንዎን። ነታ ሃገር ድማ ኣነ ኸባድማ እየ፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ጸላእትኹም ከኣ ብእኣ ኺድነቑ እዮም። ንኣኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፡ ደድሕሬኹም ድማ ሴፍ ክመልሕ እየ፡ ሃገርኩም ከኣ ክትባድም እያ፡ ከተማታትኩምውን በረኻ ይዀና። ሽዑ እታ ሃገር በቲ እትዐንወሉ ዅሉ ዘበን፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ሃገር ጸላእትኹም ከሎኹም፡ ንሳ ብሰናብታ ባህ ይብላ፡ ሽዑ እታ ምድሪ ትዐርፍ፡ ብሰናብታ ኸኣ ባህ ይብላ። እቲ ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ብሰናብትኹም ዘይዐርፈት፡ በቲ እትዐንወሉ ዂሉ ዘበን ክትዐርፍ እያ። ነቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃገር ጸላእቶም ከለዉ፡ ምሽባር ናብ ልቦም ከእቱ እየ፡ ደሃይ እተነቓነቐት ቈጽሊ ኸኣ የህድሞም፡ ካብ ሴፍ ከም ዚሀድም ይሀድሙ፡ ገለ ኸይሰጐጎም ከኣ ይወድቁ። ሓደ እኳ ኸይሰጐጎም፡ ከም ኣብ ቅድሚ ሴፍ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ይወድቁ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ከኣ ክትቈሙ ኣይትኽእሉን። ኣብ ማእከል ህዝብታት ትጠፍኡ፡ ምድሪ ጸላእትኹም ድማ ትውሕጠኩም። እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ብኽፍኣቶም ይምህምኑ፡ ብኽፍኣት ኣቦታቶም ከኣ ምሳታቶም ይምህምኑ። በቲ ዝበደሉኒ በደሎምን፡ በቲ ዚገብርዎ ኽፍኣቶምን ክፍኣት ኣቦታቶምን ኪናዘዙ እዮም። ድማ ብምምልላሶም ስለ እተጻረሩኒ፡ ኣነ ኸኣ ብምምልላሰይ ተጻረርክዎም፡ ናብ ምድሪ ጸላእቶም ድማ ኣእቶኽዎም። ሽዑ እቲ ዘይግዙር ልቦም እንተ ኣትሐቱ፡ ቅጽዓት ክፍኣቶምውን እንተ ተቐበሉ፡ ኣነ ድማ እቲ ኺዳነይ ምስ ያእቆብ እዝክር፡ ኪዳነይ ምስ ይስሃቅ ድማ፡ ኪዳነይ ምስ ኣብርሃም ከኣ እዝክር፡ ነታ ሃገርውን እዝክራ። ነታ ሃገር ኪሐድግዋ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ከየለዉ ዖንያ ኸላ ብሰናብታ ባህ ይብላ፡ ንሳቶም ከኣ ፍርድታተይ ስለ ዘቃለሉን፡ ነፍሳቶም ከኣ ሕጋጋተይ ስለ ዝፈንፈና፡ ቅጽዓት ሓጢኣቶም ይቕበሉ። እዚ ኽነሱ እኳ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ከለዉ ፈጺመ ንምጥፋኦም፡ ምሳታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ንምፍራስ ኣይድርብዮምን፡ ኣይፍንፍኖምን ድማ። ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ኣውጺኤ ነቲ ምስቶም ቀዳሞት ዝአቶኽዎ ኺዳን ክዝክር እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ብኢድ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝሀበ ትእዛዛትን ፍርድታትን ሕጋጋትን እዚ እዩ።

Translation | Context