Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

harvest time


ሉቃስ 10:2 | 15 Helpful votes

በሎም ከኣ፥ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ፡ ለምንዎ።

Translation | Context
ዮሃንስ 4:35 | 8 Helpful votes

ንስካትኩምዶ፥ ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ አሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም አለኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 13:30 | 7 Helpful votes

ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ፡ እረይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ፡ ክብሎም እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:9 | 6 Helpful votes

ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ።

Translation | Context
ማቴዎስ 13:37-43 | 5 Helpful votes

መሊሱ በሎም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ እዩ። እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፡ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም። እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፡ እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም። ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድ፡ ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም፡ ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።

Translation | Context
ማቴዎስ 9:37 | 5 Helpful votes

ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም።

Translation | Context
ያእቆብ 5:7 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዐገሱ። እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስ እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 6:9 | 4 Helpful votes

እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።

Translation | Context
ማቴዎስ 9:37-38 | 4 Helpful votes

ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም።

Translation | Context
መዝሙር 100:1-5 | 3 Helpful votes

ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር እልል በልሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፣ ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና። አብ ደጌታቱ ብምስጋና፣ ኣብ አጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፣ አመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ጸጋኡ ንዘለአለም፣ እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።

Translation | Context
ሉቃስ 8:11 | 3 Helpful votes

እቲ ምስላኡ እዚ እዩ፥ እቲ ዘርኢ ቃል ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 85:11-13 | 2 Helpful votes

ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቊል፣ ጸድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ። እግዚኣብሄር ድማ ሰናይ ኪህበና እዩ፣ ሃገርናውን ፍርያታ ኽትህብ እያ። ጽድቂ ቐቅድሚኡ ኽትከይድ፣ ኣስኣሰሩ ኸኣ ክትስዕብ እያ።

Translation | Context
ራእይ 14:14-16 | 2 Helpful votes

ርኤኹ ድማ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ደበናን፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዚመስል ኣብቲ ደበና ተቐሚጡን ርኤኹ። ካልእ መልኣኽ ድማ ካብ መቕደስ ወጺኡ ነቲ ኣብ ደበና ተቐሚጡ ዘሎ፡ ጊዜ ዓጺድ አትዩ፡ ፍረ ምድሪውን በጺኡ እዩ እሞ፡ ንማዕጺድካ ስደዶ ዕጸድውን፡ ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዔ። እቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ ኸኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውረደ፡ ምድሪውን ተዐጽደት።

Translation | Context
መክብብ 3:1-22 | 2 Helpful votes

ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ አለዎ። ንምውላድ ጊዜ አለዎ፡ ንሙማት ከአ ጊዜ አለዎ። ንምትካል ጊዜ አለዎ፡ ነቲ እተተኽለ ምምንቋስ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕታል ጊዜ አለዎ፡ ንምሕዋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምፍራስ ጊዜ አለዎ፡ ንምህናጽ ድማ ጊዜ አለዎ። ንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ኣእማን ጊዜ አለዎ፡ ንምእካብ ኣእማን ከአ ጊዜ አለዎ። ንምሕቋፍ ጊዜ አለዎ፡ ካብ ምሕቋፍ ምፍልላይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድላይ ጊዜ አለዎ፡ ንምጥፋእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምእርናብ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕዳድ ጊዜ አለዎ፡ ንምስፋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ስቕ ምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ። እቲ ዓያዩ ሰብሲ ረብሓ ጻዕሩ እንታይ እዩ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺጽዕሩ ዝሀቦም ዕዮ ርኤኹ። ንዅሉ በቢጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለአለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ። ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለው ሰናይ ምግባርን ዜሕሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበአርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብኹሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ዝገበሮ ዅሉ ንሓዋሩ ኸም ዚነብር እፈልጥ አሎኹ። ኪውሰኾ ኣይከአልን፡ ኪንከዮ ኣይከአልን፡ ኣምላኽ ከአ፡ ሰብ ምእንቲ ኺፈርህዎ፡ ከምዚ ገበሮ። እቲ ዘሎ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ እቲ ዚኸውን ዘለዎ ኸኣ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ ኣምላኽሲ ነቲ ዝሐለፈ መሊሱ ይደልዮ። ኣነውን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣብ ቦታ ፍርድስ ረሲእነት ከም ዘሎ፡ ኣብ ቦታ ጽድቂውን ረሲእነት ከም ዘሎ ርኤኹ። ኣነ ብልበይ ንዅሉ ነገርን ንዅሉ ተግባርን ኣብኡ ጊዜ ተመዲብዎ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ነቲ ጻድቕን ነቲ ረሲእንሲ ኪፈርዶም እዩ፡ በልኩ። ኣነውን ብልበይ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘቦም፡ እንስሳ ምዃኖም ከአ ባዕላቶም ኪርእዩስ፡ ብዛዕባ ደቂ ሰብ እዚ ኾነ፡ በልኩ። ብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ፡ ሓደ እዩ ብጽሒቶም፡ ከምቲ እዚኣቶም ዚሞቱ እቲእቶም ከኣ ይሞቱ፡ ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ አላቶም። ኵሉ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን። ኲሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኲሎም ካብ መሬት ኰኑ፡ ኲሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ። እስትንፋስ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ። እስትንፋስ እንስሳ ኸኣ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ መን ይፈልጥ፧ ነቲ ብድሕሪኡ ዚኸውን ኪርእስ መን ይመልሶ፡ ንሰብ ብዕዩኡ ባህ ምባል እንተ ዘይኮይንይስ፡ ካልእ ዚሔሾ ኸም ዜብሉ ርእየ እየ እሞ፡ ጊዴኡ እዚ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:28 | 2 Helpful votes

እቲ ዝሰረቐ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ።

Translation | Context
ዘጸአት 23:16 | 2 Helpful votes

ናይቲ ኣብ ግራት ዝዘራእካዮ፡ ናይ ቀዳማይ ዕዮኻ በዓል ዓጺድ ሐሉ። እቲ ፍረ ዕዮኻ ኻብ ግራት ምስ ኣከብካ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕል።

Translation | Context