Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

harming your body


1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 23 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:16-17 | 22 Helpful votes

ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:28 | 21 Helpful votes

ብዛዕባ ምዉት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ፡ ጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኻትኩም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 26:41 | 5 Helpful votes

ናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:18 | 5 Helpful votes

ዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 4 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 30:2 | 3 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:17 | 3 Helpful votes

ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።

Translation | Context
መክብብ 1:1-18 | 2 Helpful votes

ቃላት እቲ ሰባኺ፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ ዮርሳሌም። ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ይብል እቲ ሰባኺ፡ ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ኵሉ ኸንቱነት እዩ። ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዅሉ ጻዕሪ እንታይ ረብሓ ይረኽበሉ፡ ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ፡ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም። ጸሓይ ድማ ትበርቕ፡ ጸሓይ ከአ ትዐርብ፡ ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ኽትምለስውን ትቕልጥፍ። ንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ፡ ናብ ሰሜን ከአ ይዘውር፡ እቲ ንፋስ ኣዘውቲሩ እናኸደ ይዘውር፡ ናብ ዙረቱውን ከም ብሓድሽ ይምለስ። ውሒዝ ዘበለ ዅሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ፡ ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልአን። ወሓይዝ ናብቲ ዝኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ። ኵሉ ነገር ይጽዕር፡ ሰብ ኪዛረብ እኳ ኣይኽእልን። ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን እዝኒ ኸኣ ብምስማዕ ኣይትመልእን። እቲ ዝነበረ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸኣ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ሓድሽ ነገር ከቶ የልቦን። ሰብሲ፡ እንሆ፡ እዚኣ ሓዳስ እያ፡ ዚብለላ ነገርዶ አላ እያ፡ ድሮ በቲ ቕድሜና ዝነበረ ዘመናት ዝነበረት እያ። እተን ቀደም ዝነበራ ነገራትሲ መዘከርታ የብለንን። እተን ብደሓር ዚኾና ኸኣ ኣብቶም ብድሕሪኤን ዚመጹ መዘከርታ የብለንን። ኣነ ሰባኺ ኣብ ዮርሳሌም ንጉስ እስራኤል ነበርኩ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዚግበር ዘበለ ዅሉ ብጥበብ ክምርምርን ከስተብህልን ልበይ ኣቕናዕኩ። እዝስ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ኪሳቕዩሉ ዝሀቦም ሓማቕ ጻዕሪ እዩ። ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዅሉ ተግባር ርኤኹ፡ እንሆ ኸኣ፡ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ። ቄናን ኪቐንዕ ኣይከአልን፡ እተሳእነውን ኪቑጸር ኣይከአልን። ኣነ እንሆ ሓለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ዓብዩ ጥበብ ኣጥሬኹ፡ ኢለ ብልበይ በልኩ። ልበይ ናይ ጥበብን ፍልጠትን ምልኣት ረአየ። ንጥበብ ክፈልጣ፡ ንዕሽነትን ድንቁርናን ክፈልጠን ኢለ ልበይ ኣቕኒዔስ፡ እዚውን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይ ምዃኑ ኣስተብሀልኩ። ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ብዙሕ ጓሂ አሎ እሞ፡ እቲ ፍልጠት ዜብዝሕ ስቓይ ይበዝሕ።

Translation | Context