Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

happiness


መዝሙር 37:4 | 17 Helpful votes

ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።

Translation | Context
መክብብ 3:12 | 8 Helpful votes

ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለው ሰናይ ምግባርን ዜሕሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:4 | 6 Helpful votes

ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፤ ተሐጐሱ፡ እብል አሎኹ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 12:2 | 6 Helpful votes

እንሆ፡ ኣምላኽሲ ምድሓነይ እዩ፡ እእመን ኣይፈርህን ድማ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይለይን መዝሙረይን እዩ እሞ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:13-18 | 5 Helpful votes

እቲ ጥበብ ዚረክብ፡ ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ። ከምይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ፡ እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ። ካብ ዕንቍ ትኸብር፡ ኵሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ ኣይመዐራረያን። ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፡ ኣብ ጸጋማ ኸኣ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ። ጐደናኣ ጐደና ሓጐስ፡ ብዘሎ መገዳ ኸኣ ሰላም እዩ። ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 14:13 | 4 Helpful votes

ልቢ እናሰሐቕካውን ይጉሂ እዩ፡ መወዳእታ ሓጐስ ከኣ ሓዘን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 12:3 | 3 Helpful votes

ካብ ዔላታቱ ምድሓን ከኣ ብደስታ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም።

Translation | Context
ፊልጲ 4:7 | 3 Helpful votes

እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።

Translation | Context
መክብብ 3:13 | 3 Helpful votes

እምበአርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብኹሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:14 | 2 Helpful votes

ስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውን።

Translation | Context
እዮብ 5:17-27 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ እቲ ኣምላኽ ዚግስጾ ሰብሲ ብጹእ እዩ፡ ስለዚ ንመቕጻዕቲ እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣይትንዐቆ። ንሱ የቚስልን ይዘንንን፡ ንሱ ይወቅዕ ኣእዳው የሕውያ። ካብ ሹድሽተ ጸበባ ኼናግፈካ፡ ኤረ ኣብ ሾብዓተ ደኣ ኽፋእ ኣይኪትንክየካን እዩ። ብዘመን ጥሜት ካብ ሞት፡ ብውግእውን ካብ ሓይሊ ሴፍ ኪብጀወካ እዩ። ካብ ጭጒራፍ ልሳን ክትክወል፡ ድባበ ኺወጽእ ከሎ፡ ኣይክትፈርህን ኢኻ። ነቲ ድባበን ጥሜትን ክትስሕቆ፡ ንኣራዊት ምድሪውን ኣይክትፈርሆምን ኢኻ። ምስ ኣእማን መሮር ኪዳን ኣቲኻ ኢኻ እሞ፡ እንስሳ መሮርውን ብሰላም ምሳኻ ኪዀኑ እዮም። ድንኳንካ ብሰላም ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኢኻ፡ ንኸብትኻ እንተ ተቛመትካዮ፡ ዚስአን የልቦን። ዘርእኻ ብዙሕ ምዃኑ፡ ተወልዶኻ ኸም ሳዕሪ ምድሪ ምዃኑ ኽትፈልጥ ኢኻ። ኲልስስቲ እኽሊ ብጊዜኡ ኸም ዚኣቱ፡ ብጽቡቕ ሽምግልና ኽትቅበር ኢኻ። እንሆ፡ ንሕና ዝመርመርናዮ ኸምኡ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሰሚዕካስ ተጠቐመሉ።

Translation | Context
መዝሙር 37:3 | 2 Helpful votes

ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ፣ ሰናይ ድማ ግበር ኣብታ ሃገር ተቐመጥ፣ እምነት ከኣ ድለ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 4:12 | 2 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ በቲ ንምፍታን ዚረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም፡ ኣይትገረሙ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:10 | 2 Helpful votes

እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጕ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 40:8 | 2 Helpful votes

ሽዑ፣ እኔኹ መጻእኩ፣ ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ አሎ። ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ።

Translation | Context