Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

guarding your heart


ምሳሌ 4:23 | 14 Helpful votes

ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6-7 | 12 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 51:10 | 8 Helpful votes

ዎ ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 7 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
መዝሙር 73:26 | 7 Helpful votes

ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ እኳ፣ ኣምላኽ ንዘለአለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:45 | 4 Helpful votes

ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ፡ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:5 | 4 Helpful votes

ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡

Translation | Context
ምሳሌ 23:26 | 3 Helpful votes

ወደየ፡ ልብኻ ሀበኒ፡ ኣዒንትካ ድማ ብመገደይ ደስ ይበለን።

Translation | Context
ምሳሌ 7:25 | 3 Helpful votes

ንሳ ንብዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶም፡ ዝቐተለቶም ከኣ መሊኦም እዮም፡ ቤታ ናብ ውሻጠ ሞት ዜውርድ፡ መገዲ ሲኦል እዩ እሞ፡ ንልብኻ ናብ ጐደናኣ ኣቢልካ ኣይተዘምብሎ፡ ብመገዳ ኣይትስሐት።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 2 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:1 | 2 Helpful votes

ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 4:1-27 | 2 Helpful votes

ኣቱም ቈልዑ፡ ተግሳጽ ወላዲ ስምዑ፡ ልቦና ኽትፈልጡ ኸኣ ኣቕልቡ። ጽቡቕ ትምህርቲ እህበኩም አሎኹ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትሕደግዎ። ኣነውን ነቦይ ውሉድ፡ ንወላዲተይ ከኣ ሕጻንን ሓደ ጥራይን ነበርኩ። ሽዑ ኣስተምሀርኒ በለኒውን፡ ልብኻ ንቓላተይ ኣጽኒዑ ይሐዞ። ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ፡ ብህይወት ክትነብር ኢኻ። ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንምስትውዓል ኣጥርያ፡ ንቓል ኣፈይ ኣይትረስዓዮ፡ ካብኡውን ኣይትዘምብል። ኣይትሕደጋ፡ ንሳ ኸኣ ክትሕልወካ፡ ኣፍቅራ፡ ንሳውን ክተዕቍበካ እያ። ጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ፡ ንጥበብ ኣጥርያ፡ እወ፡ ብዅሉ ጥሪትካ ንምስትውዓል ኣጥርያ፡ ልዕል ኣብላ፡ ንሳውን ክብ ከተብለካ እያ። እንተ ሐቔፍካያ፡ ከተኽብረካ እያ። ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ጸጋ ኽትደፍኣልካ፡ ዝጸበቐ ኣኽሊል ከኣ ክትህበካ እያ። ወደየ፡ ስማዕ፡ ቃለይ ድማ ተቐበል፡ ዓመታት ዕድሜኻውን ኪበዝሕ እዩ። ብጐደና ጥበብ መሀርኩኻ፡ ብመገዲ ቕንዕና መራሕኩኻ። ከትከይድ ከሎኻ፡ ስጕምትኻ ኣይኪሐጽርን፡ እንተ ጐየኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢካ። ህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሐዛ፡ ኣይትሕደጋ፡ ሐልዋውን፡ ናብ መገዲ ረሲኣን ኣይትእቶ፡ ብጐደና እቶም እኩያት ከኣ ኣይትኺድ። ካብኣ ርሐቕ፡ ብእኣ ኣይትሕለፍ፡ ኣግልሰላ፡ ክንየዋ ኺድ። እንጌራ ረሲእነት ይበልዑ፡ ወይኒ ዓመጻ ድማ ይሰትዩ፡ እከይ ከይገብሩ ኸኣ ኣይድቅሱን እዮም እሞ፡ ገለ እንተ ዘየውደቑስ፡ ድቃስ ካብኦም ይበርር። መገድ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡ እናወሰኸት ትበርህ። መገዲ ረሲኣን ግና ከም ጸልማት እያ፡ እንታይ ከም ዚዕንቅፎም ኣይፈልጡን። ወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብ፡ ኣዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን። ንዝረኽበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን። ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ። ንለግመኛ ኣፍ ካባኻ ደርብዮ፡ ንውስልትና ኸናፍር ከኣ ካባኻ ኣርሕቆ። ኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርኣያ፡ ቈላሕታኻውን ንቕድሚት ይጠምታ። ንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ፡ ኵሉ ጐደናኻ ምዱብ ይኹን። ንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስ፡ ንእግርካ ኻብ እከይ ኣርሕቆ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:6 | 2 Helpful votes

እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ። ዕንቍኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዩ፡ በእጋሮም ከይረግጽዋ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም።

Translation | Context