Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

growing in knowledge


2ይ ጴጥሮስ 3:18 | 15 Helpful votes

ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

Translation | Context
ፊልጲ 1:9 | 6 Helpful votes

ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:2 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 5 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16-17 | 4 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:15 | 4 Helpful votes

ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።

Translation | Context
እብራውያን 5:11-14 | 4 Helpful votes

ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር እንብሎ ነይሩናስ፡ ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ትርጉሙ ጭንቂ እዩ። ከም ምንዋሕ ዘመንስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ። ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን። ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:21 | 3 Helpful votes

ንዅሉ ተዓዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:17 | 3 Helpful votes

ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።

Translation | Context