Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

government


ሮሜ 13:1 | 9 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ።

Translation | Context
ሮሜ 13:1-7 | 8 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 5:29 | 5 Helpful votes

ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:13-17 | 4 Helpful votes

ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ። ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑ። ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
ቲቶስ 3:1 | 4 Helpful votes

ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:1-3 | 3 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ። እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ።

Translation | Context
ዳንኤል 2:20-21 | 3 Helpful votes

ዳንኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ጥበብን ስልጣንን ናቱ እዩ እሞ፡ ስም ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ። ንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፣ ነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም፣ ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ኸኣ ምስትውዓል ይህቦም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:15-16 | 2 Helpful votes

ብግዝያቱ ዚገልጾ፡ እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘልዎ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ንሱ በይኑ ዘይመውት፡ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር፡ ንእኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።

Translation | Context
መዝሙር 22:28 | 2 Helpful votes

መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፣ ንሱውን ኣብ ኣህዛብ ኪጕይተት እዩ።

Translation | Context
ራእይ 1:5-6 | 2 Helpful votes

ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት፡ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርን በዅሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድሪ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ንእኡ፡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበና፡ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን።

Translation | Context
ዳንኤል 2:44 | 2 Helpful votes

ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፣ ግዝኣታ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፣ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።

Translation | Context
ዘዳግም 16:18-20 | 2 Helpful votes

ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሀበካ ዅለን ደጌታትካ ንነገዳትካ ፈራዶን መኳንንትን ግበሮ። ንህዝቢ ኸኣ ቅኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ። ፍርዲ ኣይተቕንን፡ ገጽ ርኢኻ ኣይተዳሉ። መማለዲ ድማ ዓይኒ ጠቢባን የዕውር፡ ነገር ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ መማለዲ ኣይትቀበል። ምእንቲ ኽትነብር፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ከኣ ክትወርስሲ፡ ጽድቂ፡ እወ፡ ጽድቂ ስዐብ።

Translation | Context
ሮሜ 13:7 | 2 Helpful votes

እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።

Translation | Context