Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

gossip


ኤፌሶን 4:29 | 12 Helpful votes

እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:28 | 7 Helpful votes

ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕ፡ ሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።

Translation | Context
ምሳሌ 6:16-19 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር ኣየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡ ትዕቢተኛ ዓይኒ፡ ሓሳዊት መልሓስ፡ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡ እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር፡ ሓሶት ዚዛረባ ሓሳዊ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ።

Translation | Context
ቲቶስ 3:2 | 5 Helpful votes

ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።

Translation | Context
ምሳሌ 11:13 | 5 Helpful votes

እናሐመየ ዚዘውርሲ ምስጢር ይቐልዕ፡ እቲ እሙን ልቢ ዘለዎ ግና ንነገር ይስውሮ።

Translation | Context
ምሳሌ 20:19 | 4 Helpful votes

እቲ እናዞረ ዚሐሚ፡ ምስጢራት ይቐልዕ፡ ስለዚ ምስቲ ኸናፍሩ ዜግፍሕ ሰብ ኣይትተሐወስ።

Translation | Context
ዘጸአት 23:1 | 4 Helpful votes

ወረ ሓሶት ኣይተልዕል። ምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል።

Translation | Context
መዝሙር 34:13 | 3 Helpful votes

መልሓስካ ኻብ እከይ፣ ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሐሉ፣

Translation | Context
ያእቆብ 4:11 | 3 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይተተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን።

Translation | Context
ያእቆብ 1:26 | 3 Helpful votes

ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:31 | 3 Helpful votes

ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም።

Translation | Context
መዝሙር 101:5 | 3 Helpful votes

ነቲ ንብጻዩ ብሕቡእ ዚሐሚ ኤጥፍኦ፣ ነቲ ዕቡይ ዓይንን ኵሩዕ ልብን ዘለዎ ኣይዕገሶን እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 26:20 | 3 Helpful votes

ዕጨይቲ እንተ ተወድኤ፡ ሓዊ ይጠፍእ፡ ሓማዪ እንተ ዘየሎ ኸኣ ባእሲ ይውዳእ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:13 | 3 Helpful votes

ኣብ ልዕሊዝውን ቤተ ቤት እናዞራ ምብኳር ዕዮ እየን ዚምህራ፡ ዘይግባእ እናተዛረባውን መብዛሕቲ ኣፍን ወልፋሳትን ይዀና እምበር፡ ምብኳር ዕዮ ጥራይ ኣይኰናን።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:16 | 2 Helpful votes

ክትሐሚ ኢልካ ኣብ ህዝብኻ ኣይትዙር፡ ናብ ደም ብጻይካ ኣይትለዐል። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 10:18 | 2 Helpful votes

ጽልኢ ዚሐብእ ሓሰውቲ ኸናፍር አለዋኦ፡ ሕሜት ዚዝርግሕ ከኣ ዓሻ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:32 | 2 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ሮሜ 1:29 | 2 Helpful votes

ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ምሉኣት ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ፡

Translation | Context
ምሳሌ 15:1 | 2 Helpful votes

ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል።

Translation | Context
ሮሜ 2:1 | 2 Helpful votes

ስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን አሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን።

Translation | Context