Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

good health


3ይ ዮሃንስ 1:2 | 12 Helpful votes

ኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 17:22 | 7 Helpful votes

ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።

Translation | Context
ኤርምያስ 33:6 | 6 Helpful votes

እንሆ፡ ኣነ ኽሰፍፋን ክፍውሳን እየ። ኣነ ኸሕውዮም፡ ብዝሒ ሰላምን ሓቅን ድማ ክገልጸሎም እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 6 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
ዘጸአት 15:26 | 5 Helpful votes

በለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እቲ ኣብ ዓይኑ ቕኑዕ ዝዀነ ኸኣ እንተ ገበርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን እንተ በልካ፡ ኵሉ ሕጋጋቱ ድማ እንተ ሐሎኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ።

Translation | Context
ዘጸአት 23:25 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ። ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኸርሕቕ እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:31 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።

Translation | Context
ራእይ 21:4 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

Translation | Context
ሚልክያስ 4:2 | 2 Helpful votes

ንኣኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና፣ ጻሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ፣ ምድሓን ከኣ ኣብ ኣኽናፉ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ክትወጹን ከም ብተይ ደምበ ኽትዕንድሩ ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:24 | 2 Helpful votes

ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም።

Translation | Context
ምሳሌ 12:25 | 2 Helpful votes

እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ፡ ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 47:12 | 2 Helpful votes

ወሰነ ወሰን እዚ ርባ በዝን በትን ኵሉ ኦኣይነት ፈራዪ ኣእዋም ኪበቍል እዩ። ኣቍጽልቱ ኣይኪጽምሉን፣ ፍሬኡውን ኣይኪውዳእን እዩ። ማያቱ ካብቲ መቕደስ እዩ ዚፍልፍል እሞ፣ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኺፈሪ፣ ፍሬታቱ ንምግቢ፣ ኣቍጽልቱ ድማ ንመድሓኒት ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 11:1-47 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ንኣታቶም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፥ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፥ ካብ ኲሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፡ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፥ ካብ እንስሳ ጽፍሩ ስንጡቕ፡ ሸዀናኡ ድማ እተመቕለ፡ መጒስዕ ዚመልስ ዘበለ ብልዑ። ግናኸ መጒስዕ ካብ ዚመልሱ ወይስ ካብ ሸዀናኦም ዝምቘል፡ እዚኣቲም ኣይትብልዑ፡ ገመል መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ጊሔ ድማ፡ መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ማንትሌ ኸኣ፡ መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ሓሰማ ድማ ሸዀናኣ ምቑል እዩ፡ መጒስዕ ግና ኣይትመልስን እያ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን እሞ፡ ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ። ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዂሉ እዚ ብልዑ፥ ኣብ ማይ፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባታትን ዚነብሩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኲሎም፡ ንኣታቶም ብልዕዎም። ግናኸ ኣብ ማይ ካብ ዚዋሳወስ ኲሉን፡ ኣብ ማይ ካብ ዚነብር ኲሉ ህያው ትንፋስን፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ፍንፉናት እዮም። ንኣኻትኩም ፍንፉናት ይኹኑ፡ ካብ ስጋኦም ኣይትብልዑ፡ ንገምቦም ከኣ ፈንፍንዎ። ኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን ይኹን። ካብ ኣዕዋፍ ድማ እትፍንፍንወን፡ ዘይብልዓ፡ እዚኣተን እየን፡ ንሳተን ፍንፉናት እየን፥ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡ ጻዕዳ ኸርሶ፡ በላዕ ልኻይ በብዓይነቱ። ኲሉ ኳዂ በብዓይነቱ፡ ሰገንን ጒጒትን ሮብራን፡ ተገዳር ሓረስታይ ድማ በብዓይነቱ። ንእሽቶ ጒንጓን ሓሓትን ዓባይ ጒንጓን፡ ቀራን ጒንጓን ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራን፡ ራዛን ሰብ ጸራድ ድማ በብዓይነቱ፡ ተምብሃረጆን መንካዕን። ኲሉ ነፋሪ በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ ለመምታ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ። ኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚሰርርን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑ። ካባታቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮም፡ ፋንጣ በብዓይነቱን፡ ኣንበጣ በብዓይነቱን ኲብኲብታ በብዓይነቱን ጐደበ በብዓይነቱን። ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ። በዚኣቶም ትረኽሱ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝተንከየ ኽሳዕ ምሸት ርኹስ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዘልዐለ ኸኣ፡ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይርከስ። ኲሉ እንስሳ ምቑል ሸዀና ዘለዎ እሞ ፈጺሙ ዘይተሰንጠቐ መጒስዕ ድማ ዘይመልስ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ፡ ዝተንከዮ ዘበለ ርኹስ እዩ። በርባዕተ መሓውር ካብ ዚኸይድ ኲሉ እንስሳ፡ ብግናዕ ኢዱ ዚኸይድውን፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ገምቦም ዝተንከየ ዘበለ ኽሳዕ ምጸት ርኹስ እዩ። ገምቦም ዘልዐለ ዘበለ ድማ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ይረክስ። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብሉ ለመምታ ድማ እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም፥ ፍሒራን ኣንጭዋን ሓማት ተመን ከኣ በብዓይነቱ፡ ጠበቕን ቊርብዖን ጐብየን ምንጭልቚትን ነፋሒቶን። ካብ ኲሉ ለመም ዚብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ምስ ሞቱ፡ ዝተንከዮም ዘበለ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ። ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ነገር፡ ኣቕሓ ዕጭ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ክዳን፡ ወይ ጒኖ፡ ወይ ከረጺት፡ ዝዀነ ዚዕየዮ ኣቕሓ፡ ካብ እዚኣቶም ምስ ሞተ ዝወደቖ ድማ ይረክስ እሞ ናብ ማይ ይእቶ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ፡ ሽዑ ይነጽህ። ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ መሬት ካብ እዚኣቶም ኣብ ውሽጡ ዝወደቖ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዂሉ ይረክስ፡ ነቲ ኣቕሓ ድማ ስበርዎ። ኣብኡ ኻብ ዘሎ ዚብላዕ ኲሉ ማይ ዝኣተዎ ብልዒ ይረክስ። ብዝዀነ ኸምዚ ዝበለ ኣቕሓ ዚስተ ዂሉ መስተ ርኹስ እዩ። ዝዀነ ነገር ካብ ገምቢ እዚኣቶም ዝወደቖ ኸኣ ይረክስ፡ እቶን ወይ ምድጃ ይፍረስ፡ ንሳቶም ርኹሳት እዮም፡ ንኣኻትኩም ድማ ርኹሳት ይኹኑ። ዓይኒ ማይ ወይ ማይ ዚዕቈሮ ሓጽቢ ግና ንጹህ እዩ። ነቲ ገምቢ ዝተንከየ ደኣ ይረክስ። ካብ ገምቦም ገለ ኣብ ዚዝራእ ዘርኢ እንተ ወደቐ ኸኣ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዘርኢ ማይ እንተ ተኻዕዎ እሞ ካብቲ ገምቦም ገለ እንተ ወደቖ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ። ካብቶም ንመብልዕ ዚዀኑኹም እንስሳ ገለ እንተ ሐለቐ፡ እቲ ነቲ ገምቡ ዝተንከዮ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ። ካብቲ ገምቡ ዝበልዔ ኸኣ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። ነቲ ገምቡ ዘልዐሎውን፡ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታ ኸኣ ፍንፉን እዩ፡ ኣይበላዕ ድማ። ኲሉ ብኸብዱ ዚኸይድን በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ፡ ወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎ ዘበለ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታን፡ ንሳቶም ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣይትብልዕዎም። በቲ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታ ንነፍሳትኩም ኣይተፈንፍኑ፡ ብኣታቶም ከይትረኽሱ፡ ርእስኹም ብኣታቶም ኣይተርክሱ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዚዋሳወስ ኲሉ ለመምታ ነፍሳትኩም ኣይተርክሱ። ኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን፡ ኣብ መንጎ ዚብላዕ ህያውን ዘይብላዕ ህያውን ምእንቲ ኽትፈልዩ፡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዚዋሳወስ ህይወት ዘለዎ ዂሉ እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ እንስሳን እቲ ሕጊ እዚ እዩ።

Translation | Context