Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

23 bible verses about

gods word


2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 8 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 4:12 | 8 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:35 | 7 Helpful votes

ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 4:20-22 | 7 Helpful votes

ወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብ፡ ኣዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን። ንዝረኽበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን።

Translation | Context
ምሳሌ 30:5-6 | 4 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ብዘሎ ዅሉዕ እዩ፡ ንሱ ነቶም ናብኡ ዚዕቈቡ ዋልታኦም እዩ። ከይዘልፈካ፡ ሓሳዊ ዄንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:1-35 | 4 Helpful votes

ወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን። ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ። ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ። ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ። እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ ኪዀነካ እዩ። ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ። ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ፡ መጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡ ወደየ፡ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ይቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር። እቲ ጥበብ ዚረክብ፡ ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ። ከምይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ፡ እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ። ካብ ዕንቍ ትኸብር፡ ኵሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ ኣይመዐራረያን። ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፡ ኣብ ጸጋማ ኸኣ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ። ጐደናኣ ጐደና ሓጐስ፡ ብዘሎ መገዳ ኸኣ ሰላም እዩ። ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ፡ ንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣጽንዖ። ብፍልጠቱ መዓሙቝ ይኽፈት፡ ደበናታትውን ኣውሊ የንጠብጥብ። ወደየ፡ ነዚኤን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየን፡ ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን። ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን። ሽዑ ሀዲእካ መገድኻ ኽትከይድ፡ እግርኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ። እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ። እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውን፡ ኣእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸኣ ኪሕልወን እዩ እሞ፡ ካብቲ ናይ ድንገት ሰምባድ፡ ካብቲ ንረሲኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበር። ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከኣላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ። ዚወሃብ ከሎካስ፡ ንብጻይካ፤ ኪድ እሞ ተመለስ፡ ጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎ። ንብጻይካ፡ ኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ፡ ኣይትተናዀለሉ። ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ ኣይትበኣስ። ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፡ መገዱ ዘበለ ዅሉ ኣይትምረጽ። እግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ፡ ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ። መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ረሲእ እዩ፡ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ። ንሱ ንመላገጽቲ የላግጸሎም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። ጠቢባን ክብሪ ኺወርሱ እዮም፡ ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 12:48 | 4 Helpful votes

ኣነስ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ አሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀፍን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ አሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:8 | 4 Helpful votes

ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:16 | 4 Helpful votes

ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:1 | 3 Helpful votes

ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።

Translation | Context
መዝሙር 119:105 | 3 Helpful votes

ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፣ ንመገደይ ብርሃን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:68 | 3 Helpful votes

ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧

Translation | Context
ዮሃንስ 1:1-2 | 2 Helpful votes

ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:63 | 2 Helpful votes

መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:13 | 2 Helpful votes

እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 119:103 | 2 Helpful votes

ቃላትካ ንትንሓገይ እምብዛ ጥዑም እዩ፣ ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅራ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 1:20-21 | 2 Helpful votes

ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ከም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።

Translation | Context
መዝሙር 107:20 | 2 Helpful votes

ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፣ ካብ ጕድጓዶም ከኣ ኣናገፎም።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:3 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 17:17 | 2 Helpful votes

በቲ ሓቂ ቐድሶም፡ ቃልካ ሓቂ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:21 | 2 Helpful votes

እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:14 | 2 Helpful votes

እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።

Translation | Context
ዘጸአት 15:26 | 2 Helpful votes

በለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እቲ ኣብ ዓይኑ ቕኑዕ ዝዀነ ኸኣ እንተ ገበርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን እንተ በልካ፡ ኵሉ ሕጋጋቱ ድማ እንተ ሐሎኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ።

Translation | Context