Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

gods timing


ኣንባቆም 2:3 | 10 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።

Translation | Context
መዝሙር 27:14 | 8 Helpful votes

ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:31 | 8 Helpful votes

እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

Translation | Context
መክብብ 8:6 | 7 Helpful votes

እቲ ትእዛዝ ዝሕሉስ ክፉእ ኣይፈልጥን እዩ። ንዅሉ ነገር ገጊዚኡን ፈፍርዱን አለዎ እሞ፡ ልቢ ጥበበኛ ኸኣ ንጊዜን ንፍርድን ይፈልጦ እዩ። ንሰብሲ መከራኡ ኸቢድዎ እዩ እሞ፡

Translation | Context
መክብብ 3:1 | 6 Helpful votes

ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ አለዎ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 5 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 6:9 | 5 Helpful votes

እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:8 | 4 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፡ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም።

Translation | Context
መዝሙር 37:3-4 | 4 Helpful votes

ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ፣ ሰናይ ድማ ግበር ኣብታ ሃገር ተቐመጥ፣ እምነት ከኣ ድለ። ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 18:27 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ እቲ ንሰብ ዘይከአሎ፡ ንኣምላኽ ይከኣአሎ እዩ፡ በሎም።

Translation | Context
መክብብ 3:11 | 3 Helpful votes

ንዅሉ በቢጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለአለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።

Translation | Context
ድጒዓ 3:25-26 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ፡ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ። ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 18:14 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር አለዎ፧ ንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በሎ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:9 | 2 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 46:10 | 2 Helpful votes

ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።

Translation | Context
እብራውያን 6:12 | 2 Helpful votes

ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ድንዙዛት ከይትዀኑስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ፡ ንደሊ አሎና።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:27 | 2 Helpful votes

ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።

Translation | Context
ሚክያስ 7:7 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፡ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር አሎኹ፡ ኣምላኸይውን ኪሰምዓኒ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 31:15 | 2 Helpful votes

ዕለታተይ ኣብ ኢድካ እየን፣ ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ።

Translation | Context