Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

gods presence


ዘጸአት 33:14 | 13 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፡ ገጸይ ምሳኻ ይኸይድ፡ ከዕርፈካ ኸኣ እየ፡ በሎ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:13 | 10 Helpful votes

ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:12 | 5 Helpful votes

ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:16 | 4 Helpful votes

ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን አሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:19-20 | 4 Helpful votes

እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 28:15 | 4 Helpful votes

እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ምሳኻ እየ፡ እቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሐድገካን እየ እሞ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኽሕልወካ እየ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክመልሰካ እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:20 | 4 Helpful votes

ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 139:7 | 3 Helpful votes

ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፣ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፧

Translation | Context
መዝሙር 16:11 | 3 Helpful votes

ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለአለም ብጽእና አሎ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:1-47 | 3 Helpful votes

ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዂሎም ህዝቢ ሕያዎት ሰባት ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኣይሁድ ነበሩ። እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተአከበ። በብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዚብልዎ ጠፍኦም። ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉ፡ እንሆ፡ እዞም ዚዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧ ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም አሎና፡ ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን እቶም ኣብ መንጎ ኽልተ ርባን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዚነብሩን፡ ኣብ ፍርግያን ኣብ ጰምፊልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ዓድታት ሊብያ ጥቓ ቀሬንን ካብ ሮሜ ዝመጹ ማእከላይ ዓሌትን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም አሎና። ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዚብልዎ ሰኣኑ። ገሊኦም ግና እናኣላገጹሎም፡ እዚኣቶም ጉዕ ሜስ ጸጊቦም እዮም፡ በሉ። ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፡ ንቓለይ ድማ ጽን በሉ። ንመዓልቲ ሳልሰይቲ ሰዓት እያ እሞ፡ ከምዚ ንኣኻትኩም ዚመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ስኹራት ኣይኰኑን። እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ከኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ። እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸት፡ ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዂሉ ኺድሕን እዩ። ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ እዚ ቓልዚ ስምዑ፡ ባዕላትኩም ድማ ከም እትፈልጡ፡ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ብእኡ ብዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ፡ ነቲ ኸምቲ ውዱእ ምኽሪ ኣምላኽ ከምቲ ናይ ጥንቲ ፍልጠቱን ኣሕሊፎም ዝሀብዎ ወሲድኩም ብኢድ እቶም ሕጊ ዜብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ። ዳዊት ብዛዕባኡ ይብል እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኲሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ እርእዮ፡ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸኣ፡ ኣየንደልህጽን እየ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን ኢኻ፡ ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ተሐጐሰ ልሳነይ ከኣ እልል በለት፡ ስጋይውን ብተስፋ ኺሐድር እዩ። መገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ሓጐስ ከተጽግበኒ ኢኻ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት ርእሲ ኣቦታት፡ ንሱ ኸም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡ ንኣኻትኩም ብግሁድ ኪንገር ግቡእ እዩ። መቓብሩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና አሎ። እምብኣርከ ንሱ ነብዪ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዝፋኑ ኪቕመጥ፡ ኣምላኽ ብማሕላ ኸም ዝመሐለሉ ኽንዲ ዝፈለጠ፡ ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፡ ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ፡ ተዛረበ። ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ፡ በዚ ንሕና ዂላትና ምስክር ኢና። ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶ። ዳዊት ባዕሉ ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ። ይብል እምበር፡ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዐረገን። እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ። ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፡ በልዎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ፡ እናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን። እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ። ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ። ኣብ ኲሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ። እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ። ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።

Translation | Context
መዝሙር 73:28 | 3 Helpful votes

ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ፣ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱስ፣ እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:9 | 2 Helpful votes

ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ።

Translation | Context
እያሱ 1:9 | 2 Helpful votes

ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 5:13-14 | 2 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን ንእግዚኣብሄር ብሓንሳእ ኬመስግኑን ኪውድሱን ድምጾም ከም ናይ ሓደ ምስ ኣስምዑ፡ ብመለኸትን ብጸናጽልን ብኻልእ ዓይነት መሳርያ ሙዚክን ንእግዚኣብሄር ኬመስግኑ ኢሎም፡ ንሱ ሰናይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር፡ እናበሉ ድምጾም ምስ ኣልዐሉ፡ ሽዑ ነቲ ቤት፡ እወ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደበና መልኦ። ክብሪ እግዚኣብሄር ነቲ ቤት ኣምላኽ መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከኣሉን።

Translation | Context
መዝሙር 27:4 | 2 Helpful votes

ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሐብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ። ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 41:12 | 2 Helpful votes

ንአይሲ ብንጽህናይ ትድግፈኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ንዘለአለም ተንብረኒ አሎኻ።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:20 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
መዝሙር 31:20 | 2 Helpful votes

ካብ ውዲት ሰብ ብመሰወርያ ገጽካ ትኽውሎም፣ ካብ ክርክር መልሓስ ኣብ ድንኳንካ ትሐብኦም።

Translation | Context
ዘጸአት 25:8 | 2 Helpful votes

ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቕደስ ይግበሩለይ።

Translation | Context