Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

gods mercy


እብራውያን 4:16 | 11 Helpful votes

ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:4-5 | 10 Helpful votes

ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡- ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡

Translation | Context
ዮኤል 2:12-14 | 10 Helpful votes

እምብኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፣ ይብል እግዚኣብሄር። ንሱ ንዅራ ደንጓዪ፣ ብሳህሊ ኸኣ ምሉእ፣ ብእከይ ድማ ተጣዓሳይ፣ ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፣ ክዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ደኣ ቕደዱ፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ። ተጣዒሱ ዚምለስ እንተ ዀነ፣ ድሕሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብመስዋእቲ ብልዕን ብመስዋእቲ መስተን በረኸት ዚሐድግ እንተ ዀነ፣ መን ይፈልጥ፡

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 8 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:13 | 7 Helpful votes

ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምኡውን ግበሩ።

Translation | Context
ድጒዓ 3:22-23 | 6 Helpful votes

ምሕረቱ ኣይተወድኤን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 86:5 | 6 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፣ ናባኻ ንዜእውዩ ዅላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ እሞ፣

Translation | Context
ዘዳግም 4:31 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ርሕሩሕ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኣይሐድገካን ኣየጥፍኣካን፡ ነቲ ምስ ኣቦታትካ ዝመሐሎ ኺዳን ኣይርስዖን።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-2 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ሚልክያስ 3:17 | 3 Helpful votes

በታ ኣነ ዚገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ እዮም። ኣነ ኸኣ፣ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ፣ ክንሕፎም እየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:1-36 | 3 Helpful votes

ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ። የሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከምዜልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ አትዩስ ኪውለድ ይከአሎ እዩ፧ በሎ። የሱስ መለሰ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይ ተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃይ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ። ኒቆዲሞስ ከኣ፥ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ድማ መሊሱ በሎ፥ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስርክር አሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎ ኢኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዝይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧ ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን። ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ። እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ። ድሕርዚ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ። ዮሃንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይአተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ። ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንስኤ። ናብ ዮሃንስ መጺኦም፥ መምህር፡ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፡ እንሆ፡ ንሱ የጥምቕ፡ ኵሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ አሎ፡ በልዎ። ዮሃንስ ከኣ መሊሱ በለ፥ ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋህቦስ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን እዩ። ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም። እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኡሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ። ንሱ ኺዓቢ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ። እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። ካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክር። እቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሐተመ። ኣምላኽ መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ዝለኣኾ፡ ንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚነግር። ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ኵሉ ኣብ ኢዱ ሃቦ። ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 5:1 | 3 Helpful votes

ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 2 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄር፣ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፣ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፣ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፣ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፣ ከናግፎ፣ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፣ ከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፣ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፣ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 1:12-13 | 2 Helpful votes

ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ነገልግሎቱ መዲቡ፡ እሙን ክኸውን ስለ ዘብቅዓኒ፡ ኤመስግኖ አሎኹ። ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ፡ ምሕረት ረኸብኩ።

Translation | Context
ሮሜ 5:8 | 2 Helpful votes

ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ።

Translation | Context
ሚክያስ 6:8 | 2 Helpful votes

ኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 64:4 | 2 Helpful votes

ነቶም ዚጽበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዚገብር ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዔን፡ ኣብ እዝኒ ኣይተዘነየን፡ ዓይኒውን ከቶ ኣይረአየቶን።

Translation | Context