Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

22 bible verses about

gods faithfulness


2ይ ጢሞቴዎስ 2:13 | 8 Helpful votes

ንሕና እንተ ጠለምናዮ፡ ንሱ ንርእሱ ኪኽሕድ ኣይከአሎን እዩ እሞ፡ እሙን ኰይኑ እዩ ዚነብር።

Translation | Context
ዘዳግም 7:9 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ንዚፈትውዎን ትእዛዙ ንዚሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዚገብር፡ ኪዳን ዚሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ፍለጥ።

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 3:3 | 6 Helpful votes

ግናኸ እቲ ዜጽንዓኩምን ካብ ክፉእ ዙሕልወኩምን ጐይታ እሙን እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11-13 | 6 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ክትጽውዑኒ፡ መጺእኩም ድማ ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ። ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 4 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 1:9 | 3 Helpful votes

እቲ ናብ ሕብረት ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 33:4 | 3 Helpful votes

ቃል እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ እሞ፣ ተግባሩ ዅሉውን እሙን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 86:15 | 3 Helpful votes

ጐይታየ፣ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልን፣ ብሳህልን ሓቅን ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:33 | 3 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
መዝሙር 23:1-6 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

Translation | Context
ድጒዓ 3:23 | 2 Helpful votes

ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 2 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 11:6 | 2 Helpful votes

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 3:3 | 2 Helpful votes

ሓያሎ ኻባታቶም ዘይእሙናት እንተ ዀኑ ግዲ እንታይ እዩ፧ እቲ ዘይእሙናት ምዃኖምዶ ነቲ ናይ ኣምላኽ እምንነት ከንቱ ይገብሮ እዩ፧

Translation | Context
ዘሁልቍ 23:19 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን። ከይጠዐስ ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን። ንሱ ዝበሎስ ኣይገብሮንዶ፧ እተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፧

Translation | Context
እብራውያን 13:5 | 2 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ።

Translation | Context
ሚልክያስ 3:6 | 2 Helpful votes

ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፣ ኣቱም ደቂ ያእቆብል ስለዚ ኣይጠፋእኩምን።

Translation | Context
መዝሙር 100:4-5 | 2 Helpful votes

አብ ደጌታቱ ብምስጋና፣ ኣብ አጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፣ አመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ጸጋኡ ንዘለአለም፣ እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።

Translation | Context
ኤርምያስ 32:17 | 2 Helpful votes

እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በቲ ዝርጉሕ ቅልጽምካን ሰማይን ምድርን ዝገበርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የልቦን።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:35 | 2 Helpful votes

ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 10:23 | 2 Helpful votes

እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፡ ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ።

Translation | Context
መዝሙር 9:10 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዚደልዩኻ ኣይትሐድጎምን ኢኻ እሞ፣ እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም።

Translation | Context