Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

god is in control


ምሳሌ 19:21 | 11 Helpful votes

ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና አሎ፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና እዩ ጸኒዑ ዚነብር።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 7 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 7 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
እያሱ 1:9 | 7 Helpful votes

ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 45:6-7 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ካልእ የልቦን፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ብጀካይ ካልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ኣዕጠቕኩኻ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካልእውን ከቶ የልቦን። ብርሃን እገብር፡ ጸልማት ከኣ እፈጥር፡ ደሓን እገብር፡ መዓት ድማ እፈጥር፡ እዚ ዂሉ ዝገብር ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:26 | 4 Helpful votes

የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ፡ በሎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 55:8-11 | 4 Helpful votes

ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ። ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸይስተዮ፡ ከም ዜፍርን ከም ዜብቊልን ከኣ ከይገበሮ፡ ዘርኢ ንዘርኢ፡ ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ፡ እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:34 | 4 Helpful votes

ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:10 | 4 Helpful votes

ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:4 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄርሲ ኵሉ ንምዱብ ነገር፡ ከምኡውን ንረሲእ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:9 | 3 Helpful votes

ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ።

Translation | Context
እዮብ 12:10 | 3 Helpful votes

ህያው ነፍሲ ዘበለን፡ መንፈስ ኲሉ ሰብን ኣብ ኢዱ ደይኰነን፡

Translation | Context
መዝሙር 22:28 | 2 Helpful votes

መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፣ ንሱውን ኣብ ኣህዛብ ኪጕይተት እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 115:3 | 2 Helpful votes

ኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት አሎ፣ ዝደለዮ ዅሉ ይገብር እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 1:11 | 2 Helpful votes

ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 45:7 | 2 Helpful votes

ብርሃን እገብር፡ ጸልማት ከኣ እፈጥር፡ ደሓን እገብር፡ መዓት ድማ እፈጥር፡ እዚ ዂሉ ዝገብር ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 2 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 14:24 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ መሐለ፡ ብሓቂ ኸምቲ ዝሐሰብክዎ ኪኸውን፡ ከምቲ ዝመደብክዎውን ኪቐውም እዩ።

Translation | Context