Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

giving birth


ዮሃንስ 16:21 | 26 Helpful votes

ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ጊዜኣ ስለ ዝበጽሔ ትጕሂ። ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሐጕሳ፡ ነቲ ጻዕራ ኣይትዝክሮን እያ።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 11 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 66:7-12 | 8 Helpful votes

ቅልውላው ከይሐዛ ወለደት፡ ከይተጻዕረት ከኣ ወዲ ወለደት። ከምዚ ዘመሰለ መን ሰምዔ፧ ከምዚ ዝበለኸ መን ረአየ፧ ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ጽዒራ ትወልድ እያ፧ ህዝቢዶኸ ብሓንቲ ጊዜ ይውለድ እዩ፧ ጽዮን ግና ቅልውላው ምስ ሓዛ፡ ብኡብኡ ደቃ ወለደት። ኣነ ንምውላድ ዘብጻሕኩስ፡ ሓይሊ ምውላድዶ ኣይህብን እየ፧ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፡ ንማሕጸንዶ እዐጹ እየ፧ ይብል ኣምላኽኪ። ክትጠብውን ኣብ ኣጥባት ምጽንንዓ ኽትጸግቡን፡ ክትምጥምጡን ብብዝሒ ኽብረት ኺፍሽሕወኩምንሲ፡ ምስ የሩሳሌም ተሐጐሱ፡ ኣቱም እተፍቅርዋ ዂላትኩም ከኣ ብእኣ ደስ ይበልኩም። ኣቱም ዝሐዘንኩምላ ዂላትኩም፡ ተሐጒስኩም ምስኣ እልል በሉ። እግዚኣብሄርሲ ኸምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ሰላም ከም ፈሳሲ ርባ፡ ክብረት ኣህዛብ ከኣ ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኬውሕዘላ እዩ፡ ንስኻትኩም ድማ ክትጠብው፡ ክትሕቈፉ ኢኹም፡ ኣብ ኣብራኾም ኬሳራስሩኹም እዮም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:28 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።

Translation | Context
ዘጸአት 1:19 | 5 Helpful votes

እተን መሕረስቲ ኸኣ ንፈርኦን፡ እተን እብራውያን ከም ኣንስቲ ግብጻውያን ኣይኰናን። ንሳተን ሓያላት እየን እሞ፡ እታ መሕረሲት ከይመጸተን ሐሪሰን ይጸንሓ፡ በላኦ።

Translation | Context
መዝሙር 29:9 | 4 Helpful votes

ድምጺ እግዚኣብሄር ንእራባት የውልደን፣ ንዱር የርግፎ፣ ኣብ መቕደሱውን ኵሉ፣ ክብሪ፣ ይብል አሎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:16 | 4 Helpful votes

ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ፡ ንሱውን ኪመልከኪ እዩ፡ በላ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:15 | 4 Helpful votes

ብእምነት ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 4 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 2:6 | 3 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ኣብኡ፡ ኸለዉ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ።

Translation | Context
ሉቃስ 1:35 | 3 Helpful votes

እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:10 | 3 Helpful votes

ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 12:2-8 | 2 Helpful votes

ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰበይቲ እንተ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ እንተ ወለደት፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ከምቲ ብመዓልትታት ሕማም ጻግኒኣ ትርከስ። ብሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር። በቲ ደም ንጽህናኣ ኸኣ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትቀመጥ፡ መዓልትታት ምንጽሃ ኽሳዕ ዚመልአ ቅዱስ ነገር ኣይትተንኪ ናብ መቕደስውን ኣይትእቶ። ጓል እንተ ወለደት ግና፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒአ ኽልተ ሰሙን ትርከስ፡ በቲ ደም ጽርየታ ኸኣ ስሳን ሹድሽተን መዓልቲ ትቀመጥ። ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል መዓልትታት ምንጻህ ምስ መልአ፡ ገንሸል ዓመት ንዚሐርር መስዋእቲ ጫጩት ርግቢ ወይ ከኣ ባሬቶ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን ተምጽእ። ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፡ የተዐርቃ ኸኣ፡ ካብ ዓይኒ ደማውን ትነጽህ። ሕጊ እታ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት እዚ እዩ። ገንሸል ዚአክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ከኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ካልኣይቲ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ተምጽእ። እቲ ኻህን ድማ የተዐርቃ፡ ትነጽህ ከኣ።

Translation | Context
ሉቃስ 1:14 | 2 Helpful votes

ንሱ ሓጐስን ተድላን ኪዀነልካ እዩ፡ ብልደቱ ኸኣ ብዙሓት ኪሕጐሱ እዮም።

Translation | Context