Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

giving and stewardship


ሉቃስ 6:38 | 9 Helpful votes

ሃቡ ኺውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:6 | 6 Helpful votes

ግናኸ እዚ እብል አሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 8:9 | 6 Helpful votes

ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስካትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:28 | 6 Helpful votes

እቲ ዝሰረቐ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:7 | 6 Helpful votes

ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:35 | 5 Helpful votes

ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 8:1-15 | 5 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ እቲ ኣብተን ማሕበራት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ነፍልጠኩም አሎና፡ ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሀቡ፡ እምስክረሎም አሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓላፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶምን ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዐዘዘ። ነዚ ጸጋ እዝን ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣና ርእሶም ወፈዩ እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበናዮ ጥራይ ኣይኰነን እሞ፡ ንቲቶስ፡ ከምቲ ቕድም ዝጀመሮ ኸምኡ ኸኣ እዚ ጸጋ እዚ ኣባካትኩምውን ኪፍጽም፡ ምዒድናዮ አሎና። ግናኸ ብዅሉ፡ ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን ብፍቕርኹም ንኣናውን ከም ዝዓዘዝኩም፡ በዚ ጸጋ እዚ ኸኣ ዕዙዛት ንምዃን ተጠንቀቑ። እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ ኸኣ ብጸዓት እቶም ካልኦት ነቲ ምጽራይ ፍቕርኹም ምእንቲ ኽዕዘብ እየ እምበር፡ ከም ትእዛዝ ገይረ ኣይኰንኩን። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስካትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ። እዚ ይጠቕመኩም እዩ እሞ፡ በዚ ድማ ምኽሪ እህበኩም አሎኹ፡ ንስካትኩም ንፍቓድ ድማ እምበር፡ ንምግባር ጥራይ ኣይኰንኩምን ካብ ዓሚ ሒዝኩም ቅድም ዝጀመርኩም። ሕጂ ኸኣ ከምቲ ንፍቓድ ተዳሊኹም ዝነበርኩምዎ፡ ከምኡ ጌርኩም ከም ዓቕምኹም ንምፍጻምውን ብግብሪ ፈጽሙ። ፍቓድ ልቢ እንተ አልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር፡ ብዜብሉ ኣይኰነን። ምእንቲ ማዕረ ኪኸውን ማለተይ እየ እምበር፡ ንኻልኦትን ራህዋ፡ ንኣኻትኩምን ጸበባ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ ኣይኰንኩን። ከመዮ፤ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፡ ሒደት ዝኣከበውን ኣየጕደለን፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ሕጂ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ኪምልእ፡ እቲ ተረፎም ከኣ ነቲ ጐደሎኹም ኪምልእ፡ እሞ ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ።

Translation | Context