Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

getting old


ኢሳይያስ 46:4 | 27 Helpful votes

ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ፡ ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም፡ ኣነ ገበርኩ ኣነውን ክድግፍ እየ፡ ክጸውርን ኸድሕንን እየ።

Translation | Context
መክብብ 12:1-14 | 22 Helpful votes

ክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከአ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ። ጸሓይን ብርሃንን ወርሕን ከዋኽብትን ከይጸልመቱ፡ ደበንታት ከአ ድሕሪ ዝናም ከይተመልሰ፡ በታ ሓለውቲ ቤት ዜንቀጥቅጡላ፡ ብርቱዓት ሰብኡት ዚጒብጡላ፡ ጠሓንቲ ስለ ዝወሓዳ ዜብኩኵራላ፡ ጠማቶውን ኣብ መሳዅቲ ዚጽልምቱላ፡ ኣብ ኣደባባይ ዜእቱ ደጌታት ከአ ዚዕጸወላ መዓልቲ፡ ደሀይ መጥሓን ምስ ላሸወ፡ ድምጺ ኣዕዋፍ ሰሚዑ ምስ ዚትንስእ፡ ኩለን ደረፍቲ ኣዋልድ ድማ ምስ ላሕተታ፡ ሽዑ ንበረኸቲ ይፈርሁ፡ ኣብ መገዲውን ይስምብዱ፡ ለውዚ ትዕምብብ፡ ኣንበጣ እኳ ይኸብድ፡ ቀመም ከአ ዊንታ ኣየለዐዕልን፡ ሰብ ናብ ናይ ዘለአለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ፡ መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩ። ድሪ ብሩር ከየተበትከ፡ ፍዮ ወርቂ ኸይተጨፍለቐ፡ ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረ፡ መዘወር ኣብ ዔላ ኸይተጨፍለቐ፡ መሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰ፡ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ። ናይ ከንቱነታት ከንቱነት፡ ኵሉ ከንቱነት እዩ፡ ይብል እቲ ሰባኺ። ምስናይዚ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሀሮ፡ ኣስተንተነ፡ መርመረ፡ ብዙሕ ምስላታት ከአ ሰርዔ። እቲ ሰባኺ ባህ ዜብል ቃላት ኪረክብ ደለየ፡ እቲ ጽሑፍ ከአ ቅኑዕን ቃላት ሓቅን እዩ። ቃላት ጠቢባን ከም ሸኻል እዩ፡ ንሱ ኸኣ ንእኩባት መምህራን ኣጸቢቑ እተሸንከረ ሽንካራት እዩ፡ ብሓደ ጓሳ እተወህበ ኸኣ እዩ። ብዝተረፈ፡ ወደየ፡ መጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን፡ ብዙሕ ምምሃር ድማ ንስጋ የድክሞ እዩ እሞ፡ ተጠንቀቕ። መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኩለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ። ኣምላኽሲ ንዅሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 20:29 | 20 Helpful votes

ሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፡ ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ስልማቶም እዩ።

Translation | Context