Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

gentleness


ቲቶስ 3:2 | 11 Helpful votes

ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:15 | 7 Helpful votes

ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።

Translation | Context
መዝሙር 18:35 | 6 Helpful votes

ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሂብካኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ደጊፋትኒ፣ ሕያውነትካ ድማ ዓብዪ ገይሩኒ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:24-26 | 5 Helpful votes

ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ፡ መሃሪ፡ ዕጉስ ኪኸውን እምበር፡ ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ። ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኺፈልጥዋ ኢሉ፡ ንስሓ እንተ ሃቦም፡ ንሱ ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት እናገንሖም፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ኢሉ ምስ ኣውጽኦም፡ ንሳቶም ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም።

Translation | Context
ያእቆብ 3:17 | 4 Helpful votes

እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ።

Translation | Context
ምሳሌ 15:1 | 4 Helpful votes

ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል።

Translation | Context
ገላትያ 5:22-23 | 4 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን።

Translation | Context
ገላትያ 6:1 | 4 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።

Translation | Context
ማቴዎስ 11:29 | 3 Helpful votes

ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:2 | 2 Helpful votes

ብትሕና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡

Translation | Context
ያእቆብ 1:19-20 | 2 Helpful votes

ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 22:36 | 2 Helpful votes

ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሀብካኒ። ምውራድካውን ኣዕበየኒ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:4-5 | 2 Helpful votes

ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:11 | 2 Helpful votes

ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።

Translation | Context