Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

gathering together


እብራውያን 10:24-25 | 22 Helpful votes

ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:20 | 14 Helpful votes

ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:16 | 7 Helpful votes

ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።

Translation | Context
እብራውያን 10:25 | 7 Helpful votes

እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ።

Translation | Context
ማቴዎስ 12:30 | 4 Helpful votes

ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:26 | 3 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር አለዎ፡ ምህሮ አለዎ፡ ራእይ አለዎ፡ ቋንቋ አለዎ፡ ትርጉም አለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገበር።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:1 | 3 Helpful votes

ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ።

Translation | Context
እብራውያን 10:19-25 | 3 Helpful votes

ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም የሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና፡ ኣብ ቤት ኣምላኽውን ዓብዪ ኻህን ካብ ዝህልወናስ፡ ልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉ፡ ስጋናውን ብጹሩይ ማይ ተሐጺቡ፡ ምሉእ ብተረዳእናዮ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ። እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፡ ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ። ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ።

Translation | Context
እብራውያን 12:1 | 3 Helpful votes

ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ።

Translation | Context
መዝሙር 50:5 | 3 Helpful votes

ንሱ ንህዝቡ ምእንቲ ኺፈርድሲ፣ ነቶም ብመስዋእቲ ገይሮም ምሳይ ኪዳን ዝአተዉ ቅዱሳነይ አክቡለይ፣ ኢሉ ንሰማያት ኣብ ላዕልን ንምድርን ይጽውዕ አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:33 | 2 Helpful votes

ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:9 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:42-47 | 2 Helpful votes

ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ። ኣብ ኲሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ። እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ። ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።

Translation | Context
ሉቃስ 21:34-36 | 2 Helpful votes

ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያእሞ፡ ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጻኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ካብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረክቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።

Translation | Context
ራእይ 20:4 | 2 Helpful votes

ዝፋናት ድማ ርኤኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ፡ ፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱ፡ ማሕተሙውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርኤኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ።

Translation | Context
እብራውያን 2:14 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዓር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም።

Translation | Context
ዘዳግም 31:12-13 | 2 Helpful votes

ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሀሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፈርህዎ፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ንምግባሩን ኺጥንቀቑ፡ እቶም ዘይፈልጡ ደቆም ድማ ኪሰምዑን ኪመሀሩን፡ ኣብታ ኽትወርስዋ፡ ናብኣ ንዮርዳኖስ እትሳገሩ ዘሎኹም ምድሪ ብዅሉ ዘበን ህይወትኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፈርህዎ፡ ነቲ ህዝቢ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ደጌታትካ ዘሎ ጓናኻን፡ ኣክቦም።

Translation | Context