Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

gabriel


ሉቃስ 1:19 | 14 Helpful votes

እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም ገብርኤል እየ፡ ክዛረበካን እዚ ድማ ከብስረካን እየ ናባኻ እተለኣኽኩ።

Translation | Context
ሉቃስ 1:26-29 | 11 Helpful votes

ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሀል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሃል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ። እቲ መልኣኽ ናብኣ አትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ። ንሳ ምስ ረአየቶ፡ በቲ ዘረባኡ ሰምበደት፥ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢላውን ሐሰበት።

Translation | Context
ሉቃስ 1:26-38 | 9 Helpful votes

ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሀል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሃል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ። እቲ መልኣኽ ናብኣ አትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ። ንሳ ምስ ረአየቶ፡ በቲ ዘረባኡ ሰምበደት፥ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢላውን ሐሰበት። እቲ መልኣኽ ከኣ በላ፡ ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን። ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፡ በለቶ። እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ። እንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ፡ ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ። ማርያም ከኣ፥ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ።

Translation | Context
ዳንኤል 8:16 | 6 Helpful votes

ካብ ማእከል ኡላይ ድማ፣ ገብርኤል፣ እቲ ራእይ ነዚ ሰብዚ ግለጸሉ፣ ኢሉ ዚጽውዕ ድምጺ ሰብ ሰማዕኩ።

Translation | Context
እብራውያን 13:2 | 6 Helpful votes

ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ።

Translation | Context
ይሁዳ 1:9 | 5 Helpful votes

ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኻራኸረ ምስ ተማጐተ፡ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ ደኣ በሎ እምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረብ ኣይደፈረን።

Translation | Context
ዳንኤል 9:21 | 5 Helpful votes

ብጸሎት ገና ኽዛረብ ከሎኹ፣ ገብርኤል፣ እቲ ቕድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይ፣ ቀልጢፉ ነፊሩ ኣጋ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ተንከየኒ።

Translation | Context
ሉቃስ 1:26 | 4 Helpful votes

ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሀል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሃል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 4 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።

Translation | Context
ሉቃስ 1:35 | 3 Helpful votes

እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።

Translation | Context
ራእይ 12:1-17 | 3 Helpful votes

ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ፡ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት። ጥንስቲ ኸኣ እያ፡ ብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕ፡ ክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት። ካልእ ትእምርቲ ኸኣ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ እንሆ፡ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን፡ ኣብቲ ኣራእሱውን ሾብዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል፡ እቲ ጭራኡ ድማ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሐበ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ። ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲ፡ ተባዕታይ፡ ወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺምግብዋ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ናብ በረኻ ሀደመት። ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን። ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውን፡ ተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረአየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ። እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስ፡ ነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽኤ። ምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሐጠቶ። እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለውን ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ከደ።

Translation | Context
ሉቃስ 1:11-19 | 3 Helpful votes

በቲ ወገን የማን መሰውኢ ዕጣን ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ተራእዮ። ዘካርያስ ከኣ ርእይዎ ሰምበደ ፍርሃትውን ወደቖ። እቲ መልኣኽ ድማ በሎ፥ ዘካርያስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራሕ። ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልድካ እያ፡ ስሙውን ዮሃንስ ክትሰምዮ ኢኻ። ንሱ ሓጐስን ተድላን ኪዀነልካ እዩ፡ ብልደቱ ኸኣ ብዙሓት ኪሕጐሱ እዮም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ። ወይንን ዜስክር መስተን ከኣ ከቶ ኣይኪሰትን እዩ። ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኸሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪመልኦ እዩ። ንብዙሓት ካብ ደቂ እስራኤልውን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኪመልሶም እዩ። ንሱ ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኬዳሉ፡ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፡ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ኪመልስ፡ ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚኡ ኪኸይድ እዩ። ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ፥ ኣነ ኣሪገ እየ፡ ሰበይተይ ከኣ ዕለታ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ነዚ ብምንታይ ክፈልጦ እየ? በሎ። እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም ገብርኤል እየ፡ ክዛረበካን እዚ ድማ ከብስረካን እየ ናባኻ እተለኣኽኩ።

Translation | Context
ሮሜ 13:4 | 3 Helpful votes

እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።

Translation | Context
መዝሙር 51:5 | 3 Helpful votes

እንሆ፣ ብአበሳ ተወለድኩ፣ እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 6:1-3 | 2 Helpful votes

በታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ኣነ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ፡ ነፍሲ ወከፎም ሹድሽተ ኽንፊ አለዎ፡ በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ ድማ ነእጋሩ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተውን ይነፍር ነበረ። እቲ ሓደ ኸኣ ነቲ ሓደ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ አላ፡ ኢሉ ኣድሀየ።

Translation | Context
መዝሙር 10:1-18 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ስለምንታይ ደኣ እትርሕቕ፣ ብዘመናት ጸበባስ እትኽወል፧ ረሲእ ብትምኒት ልቡ ይጀሀር፣ ንገፋዒ ይምርቖ፣ ንእግዚኣብሄር ይንዕቆ አሎ እሞ፣ ጥቑዕሲ ብትዕቢት ረሲእ ይስቀ አሎ፣ በቲ ዝሐሰብዎ ውዲት ይተሐንኰሉ። ኵሉ ሓሳባት እቲ ረሲእ፣ ኣምላኽ የልቦን እዩ፣ ብትዕቢቱ ኸኣ፣ ኣይምርምርን እዩ፣ ይብል አሎ። መገድታቱ ዅሉ ጊዜ ይፍድፍዳ፣ ፍርድታትካ ንእኡስ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ። ንዅላቶም ተቓወምቱ ጺቕ ይብለሎም። ብልቡ፣ ከቶ ኣይክናወጽን፣ ካብ ወለዶ ንወለዶ ኽፉእ ኣይመጸንን እዩ፣ ይብል አሎ። ኣፉስ መርገምን ጥልመትን ዓመጻን መሊኡ እዩ፣ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እከይን ጥፍኣትን አሎ። ኣብ ናይ ዓድታት ሸጓሹጕ የድቢ፣ ኣብ ሕቡእ ስፍራ ንንጹህ ይቐትሎ፣ ኣዒንቱ ንመስኪን ይስልያኦ። ከም ኣንበሳ ኣብ ዱሩ ኣብ መሕብኢኡ ይጻናቶ፣ ንመስኪን ኪዕምጥሮ የድቢ፣ ንመስኪን ብመጻወድያኡ ስሒቡ ይዕምጥሮ። ጕብጥ ኢሉ ይደንን፣ መሳኪን ከኣ ኣብ መንጎ ኣጽፋሩ ይወድቁ። ንሱ ብልቡ፣ ኣምላኽ ረሲዑ ገጹ ኸዊሉ፣ ከቶ ኣይኪርእዮን እዩ፣ ይብል። ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኢድካ ኣልዕል፣ ንጥቑዓት ኣይትረስዓዮም። ስለምንታይ ረሲእ ንኣምላኽ ዚንዕቆ፣ ብልቡ ኸኣ፣ ኣይክትምርምርን ኢኻ፣ ዚብሎ፧ ንስኻ ርኢኻዮ፣ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኽትሕዞስ፣ ንጻዕርን ሓዘንን ተቕልበሉ ኢኻ እሞ፣ መስኪን ንነገሩ ናባኻ ይውፍዮ፣ ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ። ንቕልጽም ረሲእ ስበሮ፣ ንእኩይ፣ ረሲእንቱ ኽሳዕ ዘይትረኽባ፣ ኣጥፍኣዮ። እግዚኣብሄር ንዘለአለመ ኣለም ንጉስ እዩ። ኣህዛብ ካብ ምድሩ ጸኒቶም እዮም። ዎ እግዚኣብሄር፣ መሬታዊ ሰብ ንምግፋዕ ከይቕጽል፣ ንዘኽታምን ንጥቑዕን ክትብይነሎምሲ፣ ነእዛንካ ተድንነን፣ ንሃረርታ ትሑታት ትሰምዖ፣ ንልቦም ተበርትዖ ኢኻ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:19-25 | 2 Helpful votes

ኣይሁድ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ።

Translation | Context