Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

fun


መክብብ 2:24 | 40 Helpful votes

ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን። እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ርኤኹ።

Translation | Context
መክብብ 3:4 | 10 Helpful votes

ንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:4 | 7 Helpful votes

ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፤ ተሐጐሱ፡ እብል አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:23 | 6 Helpful votes

ደጊም ስለ ኽብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ።

Translation | Context
መክብብ 3:10-14 | 6 Helpful votes

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺጽዕሩ ዝሀቦም ዕዮ ርኤኹ። ንዅሉ በቢጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለአለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ። ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለው ሰናይ ምግባርን ዜሕሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበአርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብኹሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ዝገበሮ ዅሉ ንሓዋሩ ኸም ዚነብር እፈልጥ አሎኹ። ኪውሰኾ ኣይከአልን፡ ኪንከዮ ኣይከአልን፡ ኣምላኽ ከአ፡ ሰብ ምእንቲ ኺፈርህዎ፡ ከምዚ ገበሮ።

Translation | Context
ዘካርያስ 8:5 | 6 Helpful votes

ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን ገና ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም፣ ዕድሚኦም ስለ ዝነውሐ ኸኣ፣ ነፍሲ ወከፎም መምርኩሱ ኣብ ኢዱ ኺሕዝ እዩ። ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ በቶም ኣብተን ኣደባባያታ ዚስሕቑ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልኣ እየን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

Translation | Context