Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

frogs


ራእይ 16:13 | 34 Helpful votes

ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ነብዪ ሓሶትን ከኣ ቍርዖብ ዚመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ ኺወጹ ኸለዉ ርኤኹ።

Translation | Context
ዘጸአት 8:2-14 | 30 Helpful votes

ንስኻ ምሕዳጉ እንተ ኣቤኻ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣነ ንዅላ ሃገርካ ብቝርዖብ ክወቖዓ እየ። እቲ ርባ ድማ ብቝርዖብ ፈለኽለኽ ኪብል እዩ፡ ደይበን ከኣ ናብ ቤትካን ናብ ሕልፍኚ መደቀሲኻን ናብ ዓረትካን ናብ ቤት ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣታውንካን ናብ ገበራኻን ኪኣትዋ እየን። ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኵሎም ገላዉኻን ቍርዖብ ኪድይባኹም እየን በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፤ ንኣሮን፡ ናብ ልዕሊ ወሓዝትን ናብ ርባታትን ናብ ቀላያትን ኢድካ ምስ በትርኻ ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ሃገር ግብጺ ቝርዖብ ኣደይብ በሎ። ኣሮን ከኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ማያት ግብጺ ዘርግሔ፡ እተን ቍርዖብ ድማ ደይበን ንምድሪ ግብጺ ኸደንኦ። እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ቍርዖብ ኣደየቡ። ሽዑ ድማ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ ካባይን ካብ ህዝበይን ቍርዖብ ኬርሕቐለይ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ይኺድ ክሐድጎ እየ፡ በሎም። ሙሴ ንፈርኦን፡ እተን ቍርዖብ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ኪጠፍኣ እሞ ኣብ ርባ ጥራይ ኪተርፋስ፡ ምእንታኻን ምእንቲ ገላዉኻን ምእንቲ ህዝብኻን ንመኣዝ ከም ዝልምን፡ ብኽብረትካ ቝረጸለይ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ንጽባሕ፡ በለ። እሞ፡ ከም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን። እዘን ቍርዖብ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ካብ ገላዉኻን ካብ ህዝብኻን ኪርሕቃ፡ ኣብ ርባ ጥራይ ኪተርፋ እየን፡ በለ። ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ፈርኦን ወጹ። ሙሴ ድማ፡ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርኦን ዘምጽኤን ቍርዖብ፡ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ። እተን ቍርዖብ ከኣ ካብ ኣባይትን ካብ ደነብን ካብ መሮርን ሞታ። እናኣከቡ ዀመርወን፡ እታ ምድሪ ኸኣ በድበደት።

Translation | Context
መዝሙር 105:30 | 25 Helpful votes

ናብ ኣባይቲ ነገስታቶም ክሳዕ ዚአትዋ፣ ምድሮም ብቚርዖብ መልኤት።

Translation | Context
ዘጸአት 8:13-14 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ። እተን ቍርዖብ ከኣ ካብ ኣባይትን ካብ ደነብን ካብ መሮርን ሞታ። እናኣከቡ ዀመርወን፡ እታ ምድሪ ኸኣ በድበደት።

Translation | Context