Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

friendships


መክብብ 4:9-12 | 8 Helpful votes

ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሃይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ። ከምኡ ኸኣ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ፡ ይማሙቑ፡ ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፡ ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ፡ ክልተ እዮም ዚቃወምዎ፡ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።

Translation | Context
ምሳሌ 18:24 | 6 Helpful votes

ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ፡ ግናኸ ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ።

Translation | Context
ምሳሌ 27:9 | 5 Helpful votes

ቅብእን ዕጣንን ንልቢ የሐጕሶ፡ ጣዕሚ ፈታዊ ምስናይ ምኽሪ ነፍሱ ኸኣ ከምኡ እዩ።

Translation | Context
እዮብ 6:14 | 4 Helpful votes

እቲ ንብጻዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፡ ንፍርሃት እቲ ዂሉ ዚኽእል ይሐድጎ።

Translation | Context
ምሳሌ 27:17 | 4 Helpful votes

ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።

Translation | Context
ምሳሌ 27:19 | 3 Helpful votes

ከምቲ ገጽ ንገጽ ኣብ ማይ ዘርእዮ፡ ከምኡ ኸኣል ልቢ ሰብ ንሰብ ይርእዮ።

Translation | Context
ሩት 1:17 | 3 Helpful votes

ኣብታ እትሞትላ እመውት፡ ኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዮናስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸኣ ይወሰኸኒ በለት።

Translation | Context
ምሳሌ 17:17 | 3 Helpful votes

ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።

Translation | Context
ምሳሌ 27:6 | 3 Helpful votes

ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ፡ ጸላኢ ግና ኣብዚሑ ይስዕም።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 22:23 | 2 Helpful votes

እቲ ንነፍሰይ ዚደልያ ንነፍስኻ ድማ ይደልያ እዩ እሞ፡ ንስኻ ምሳይ ክትሕሎስ ምሳይ ተቐመጥ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።

Translation | Context
ሩት 1:16 | 2 Helpful votes

ሩት ግና፡ ሐዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሓድርዮ ኸኣ እሐድር፡ ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ።

Translation | Context