Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

friendship


ምሳሌ 18:24 | 11 Helpful votes

ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ፡ ግናኸ ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ።

Translation | Context
መክብብ 4:9-12 | 8 Helpful votes

ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሃይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ። ከምኡ ኸኣ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ፡ ይማሙቑ፡ ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፡ ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ፡ ክልተ እዮም ዚቃወምዎ፡ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:13 | 8 Helpful votes

ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን።

Translation | Context
ምሳሌ 27:17 | 6 Helpful votes

ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:11 | 6 Helpful votes

ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕኩም ተማዓዓዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ።

Translation | Context
ምሳሌ 17:17 | 6 Helpful votes

ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:33 | 4 Helpful votes

ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 27:9 | 3 Helpful votes

ቅብእን ዕጣንን ንልቢ የሐጕሶ፡ ጣዕሚ ፈታዊ ምስናይ ምኽሪ ነፍሱ ኸኣ ከምኡ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 10:24-25 | 3 Helpful votes

ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ።

Translation | Context
እዮብ 6:14 | 3 Helpful votes

እቲ ንብጻዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፡ ንፍርሃት እቲ ዂሉ ዚኽእል ይሐድጎ።

Translation | Context
ምሳሌ 27:6 | 3 Helpful votes

ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ፡ ጸላኢ ግና ኣብዚሑ ይስዕም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 4:8-10 | 2 Helpful votes

ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀልኹም። ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ። ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:12-14 | 2 Helpful votes

ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን። ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም።

Translation | Context
ምሳሌ 22:24-27 | 2 Helpful votes

መገዱ ምእንቲ ኸይትምሀር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ። ካብቶም ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ንዕዳ ዚወሐሱ ኣይትኹን። ምፍዳይ እንተ ሰአንካስ፡ ስለምንታይ እዩ መንጸፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዚውሰድ፡

Translation | Context
ሮሜ 1:12 | 2 Helpful votes

ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም፡ ክርእየኩም እናፍቕ አሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ - ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ - ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩም፡ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-13 | 2 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ። ሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context