Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

foundation


ማቴዎስ 7:24 | 18 Helpful votes

ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:11-13 | 14 Helpful votes

ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ። ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሃድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:46-48 | 13 Helpful votes

ስለምንታይ ደኣ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧ እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ዘበለ ዅሉ፡ ንመን ከም ዚመስል ክርእየኩም እየ፥ ቤት ኪሰርሕ ከሎ፡ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን መሰረቱውን ኣብ ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ ኣዩ ዚመስል። ደምሳሲ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣ፡ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ከኣ፡ ምንቕናቓ ሰኣነ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 28:16 | 9 Helpful votes

ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መሰረት፡ ፍቱን እምኒ፡ ድልዱል ዝመሰረቱ፡ ክቡር እምኒ ዂርናዕ ኤንብር አሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ኣይኪሀድምን እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:19 | 8 Helpful votes

እቲ ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ ግና ቈይሙ አሎ፡ እዚ ማሕተም እዚውን አለዎ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚሰሚ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ካብ ዓመጻ ይርሐቕ።

Translation | Context
መዝሙር 11:3 | 7 Helpful votes

መሰረታት እንድሕሪ ፈሪሱ ደኣ፣ እቲ ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይከአሎ፧

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 4 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 17:5-8 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብ ሰብ ዚውከል፡ ቅልጽሙ ኸኣ ኣብ ስጋ ዚገብር፡ ብልቡውን ካብ እግዚኣብሄር ዚርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ። ንሱ ኸም ንቑጽ ቈጥቋጥ ኣብ በረኻ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ፡ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብቲ ሓደ እኳ ዘይነበሮ ምድሪ ጨው ይነብር እምበር፡ ጥዑም ምስ መጸስ፡ ኣይርእዮን። ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል፡ ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ዚገብር ሰብ ብሩኽ እዩ። ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸ፡ ኣይትፈርህን፡ ቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ ኣይተንክርን፡ ካብ ምፍራይውን ኣይትቋርጽን።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:16-17 | 2 Helpful votes

ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ። ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:1-31 | 2 Helpful votes

ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዘመን ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን፡ ነገስታት ይሁዳ፡ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ራእይ። እግዚኣብሄር ይዛረብ አሎ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ስምዑ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ጽን በሊ፡ ንውሉድ ኣዕቤኽዎምን ኣልዐልክዎምን፡ ንሳቶም ድማ ካባይ ዐለው። ብዕራይ ንዋናኡ፡ ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦ፡ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን፡ ህዝበይውን ኣየስተውዕልን እዩ። ሓጥእ ዓሌት፡ በደል እተጻዕነ ህዝቢ፡ ዘርኢ ገበርቲ እከይ፡ ጥፉኣት ውሉድ ወይለኦም። ንእግዚኣብሄር ሓዲጎም፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ንዒቖም፡ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ። ምዕላው እናወሰኽኩም ካብ እትኸዱስ፡ ንምንታይ ደኣ እትውቅዑ፡ ኲሉ እቲ ርእሲ ሕሙም፡ ኲሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ። ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን። ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰን፡ ኣቚሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ። ሃገርኩም ባዲማ፡ ከተማታትኩም ብሓዊ ነዲደን፡ ንግርሁኹም ጓኖት ኣብ ቅድሜኹም ይውሕጥዎ፡ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ኸኣ ባደመት። ጓል ጽዮን ድማ ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ከም ጎጆ ኣብ ግራት ብርጭቕ፡ ከም እተኸበት ከተማ ዀይና ተሪፋ አላ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ገለ ሒደት ትርፊ እንተ ዘይሐድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና፡ ንጎሞራ ምመሰልና ኔርና። ኣቱም ሓላቑ ሶዶም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኣታ ህዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ ኣምላኽና ጽን በሎ። ብዝሒ መስዋእትታትኩም እንታይ ኢለዮ፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ ብዚሐርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ አሎኹ፡ ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ። ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ምስ እትመጹ፡ መን ኰታ ኣጸደይ ክትረግጹ ደለየኩም፧ ከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡ፡ ዕጣን ንኣይ ፍንፋን እዩ፡ ስርቂ ወርሕን ሰንበትን፡ ኣኼባ ማሕበር፡ ንኣበሳ ምስ ኣኼባ በዓል ኣይዕገሶን እየ። ንስርቂ ኣዋርሕኩምን በዓላትኩምን ነፍሰይ ትጸልኦ አላ፡ ጾር ኰይኑኒ፡ ምስካሙ ስኢነ አሎኹ። ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን፡ ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን። ተሐጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ። ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ። ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ። ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተአዘዝኩምንሲ፡ ጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም። ግናኸ እንተ ኣቤኹምን እንተ ዐሎኹምን፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትወሐጡ ኢኹም። እታ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኢላ ኣመንዝራ ዀነት። ቅንዕና ዝመልኣ፡ ጽድቂ ዝሐደራ ነበረት፡ ሕጂ ግና ማሕደር ቀተልቲ ነፍሲ ዀነት። ብሩርኪ ርስሓት ኰይኑ፡ ወይንኺ ማይ ተዘሊሉ። መሳፍንትኺ ሽፍታታትን ኣዕሩዂ ጐሓሉትን እዮም። ኲሎም ምቕባል ደርሆ ይፈትው፡ ደድሕሪ ኻሕሳ ይጐይዩ። ንዘኽታም ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፡ ነገር መበለት ከኣ ኣባታቶም ኣይበጽሕን እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ናይ እስራኤል ስልጡን፡ ከምዚ ይብል፡ ኲራይ ኣብ ተጻረርተይ ከዝሕል፡ ንጸላእተይ ከኣ ሕነ ኽፈድዮም እየ። ንኢደይ ድማ ኣባኺ ኽመልሳ፡ ንሓርኢ ሓጺንኪ ኸኣ ኣጸቢቐ ኸጸጺ፡ ንዂሉ ቖርቆሮኺውን ክድርብዮ እየ። ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፡ ንመኸርትኺ ድማ ከምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ደሓር ከተማ ጽድቂ፡ እምንቲ ኸተማ ኽትስመዪ ኢኺ። ጽዮን ብፍርዲ፡ እቶም ምሉሳታ ኸኣ ብጽድቂ ኺድሕኑ እዮም። ግናኸ ከሓዶን ሓጥኣንን ብሓደ ኺስበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ዝሐደጉውን ጥራስ ኪጠፍኡ እዮም። በቲ ዝፈቶኹምዎ ኣእዋም ክትሐንኩ፡ በቲ ዝመረጽኩምዎ ኣታኽልቲ ኽትሐፍሩ ኢኹም። ቈጽሉ ኸም ዝጸምለወ ኦምን፡ ማይ ከምዜብሉ ኣታኽልትን ክትኰኑ ኢኹም እሞ፡ እቲ ሓያል ከም እተባዘተ ቓንጭ እንጣጢዕ፡ ዕዮኡ ድማ ከም ቊልዒ ኪኸውን እዩ፡ ክልቲኣቶም ብሓደ ኺነዱ እዮም፡ ዜጥፍእ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን።

Translation | Context
እብራውያን 11:10 | 2 Helpful votes

ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:12 | 2 Helpful votes

ደቅኻ ነቲ ቐደም ዝዐነወ ኺነድቁ እዮም፡ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ኸተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን፡ መሳፍሮ ዚኸውን መገዲ መዓረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:17 | 2 Helpful votes

ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ቕድም እናፈለጥኩምሲ፡ ብስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘልዉ ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ርእስኹም ከይትወድቁ ተሐለዉ።

Translation | Context