Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

foster care


መዝሙር 82:3-4 | 17 Helpful votes

ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፡ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም። ንድኻን መስኪንን ኣናግፍዎም፣ ካብ አእዳው ረሲኣን ኣድሕንዎም።

Translation | Context
ማርቆስ 9:37 | 15 Helpful votes

ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ናእሽቱ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዚቕበል፡ በሎም።

Translation | Context
መዝሙር 72:4 | 8 Helpful votes

ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎም፣ ንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ፣ ንጠቓዕቲውን ኪድዕምኾም እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:6-8 | 6 Helpful votes

ግናኸ እዚ እብል አሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድ። ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡ ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሀበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ዚብሎ፡ ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዅሉ ዅሉ ሳዕ ዚአከል ኵሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዅሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባካትኩም ጸብለል ኬብል ይከአሎ እዩ፡

Translation | Context
ያእቆብ 1:27 | 5 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:5 | 5 Helpful votes

ንኽምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል፡ ንኣይ ይቕበል።

Translation | Context
ማርቆስ 10:14 | 5 Helpful votes

የሱስ እዚ ምስ ረአየ፡ ኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም።

Translation | Context
ዮሃንስ 13:34 | 4 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:27 | 4 Helpful votes

ብዛዕባዚ ቘልዓዚ እየ ዝለመንኩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:17 | 3 Helpful votes

ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:40 | 3 Helpful votes

እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:33 | 3 Helpful votes

ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ድማ፡ ኣይትግፍዕዎ።

Translation | Context
መዝሙር 10:14 | 3 Helpful votes

ንስኻ ርኢኻዮ፣ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኽትሕዞስ፣ ንጻዕርን ሓዘንን ተቕልበሉ ኢኻ እሞ፣ መስኪን ንነገሩ ናባኻ ይውፍዮ፣ ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ።

Translation | Context
መዝሙር 72:13-14 | 3 Helpful votes

ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም፣ ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ እሞ፣

Translation | Context